ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሰበስልጣን ፈረንሳ ንምርኻብ ዘቕርቦ ሓሳብ ተቐባልነት ኣይረኸበን

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሰበስልጣን ፈረንሳ ንምርኻብ ዘቕርቦ ሓሳብ ተቐባልነት ኣይረኸበን

Radio Erena: 14 July, 2014

eri in par

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፈረንሳ ንኽራከብ ዘቕረቦ ጻውዒት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፈረንሳ ንምርኻብ ዝሓትት ዘሎ፣ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘሎ ቀዋሚ ኣባልነት፣ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ገዚፍ ጽልዋ ስለእትውንን’ዩ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዘካየዶ መበል 26 ኣኼባ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እትምርምር ኮሚሽን ክትቐውም ኣብ ዝተወሰነሉ ግዜ፣ ተራ ፈረንሳ ዕዙዝ ምንባሩ’ዩ ተገሊጹ።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ዲፕሎማስያዊ ምንቕስቓሳት ኣብ ምክያድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ምስ ሰበ ስልጣን እተን ዘለውቲ ዝብሃላ ሃገራት ንምርኻብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ግና ከምቲ ዝድለ ኣይተዓወተን።

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ንምርኻብ ዝሓተተ፣ ንኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ዝነበረ ኣቶ ፋሲል ገብረስላሴ ብምትካእ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ንፕረዚደንት ፍራንስዋ ሆላንድ ወረቓቕቲ ስርሓ ኣብ ዘቕረበትሉ ግዜ’ዩ።

ፈረንሳ ብዘይካ’ቲ ኣብ ባይቶ ጸጥታን ሕብረት ኤውሮጳን ዘለዋ ገዚፍ ጽልዋ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጅቡቲ፣ ብቀዋምነት ሰራዊታ ዘንበረት እንኮ ምዕራባዊት ሃገር’ያ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ጅቡቲ ኣብ ዝተሰሓሓበሉ’ውን ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ትከታተሎ ከምዝነበረት ኣይርሳዕን።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0