Category: ኣህጉራዊ ዜና
ፕ.ሱዳን ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ
Radio Erena: 17 July 2018 ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ። እቲ ፕረዚደንት ብዓርቢ 13 ሓምለ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዉ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ካልኦት [...]
ባ.ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ኣጽዲቑ
Radio Erena: 15 July 2018 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ኣጽዲቑ። ባይቶ ጸጥታ ኣብ ናይ 13 ሓምለ ውዕሎኡ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ብዓቢኡ ከኣ ዕጡቓት [...]
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 16 ኣዋርሕ ተናዊሑ
Radio Erena: 10 July 2018 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 12ኣዋርሕ ዝነበረ ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 16 ኣዋርሕ ከምዘናውሓቶ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እታ ሃገር ሃገራዊ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከተ [...]

ሓረስቶት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶብ ተታዅሶም
Radio Erena: 05 July 2018 ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ሓረስቶት ክልቲኤን ሃገራት፣ ሓድሕዶም ከምዝተጋጨዉ ዝተፈላለያ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን። እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ምዕራብ ጎንደር፣ ከባቢ መተማ፣ [...]
ኣመሪካ፣ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ጅቡቲ ኣሰልጢና
Radio Erena: 05 July 2018 ኣመሪካ፣ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ጅቡቲ ከምዘሰልጠነት ወትሃደራውያን ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም። እቲ ኣብ ህጹጽ ስርሒታት ክዋፈር ዝኽእል ሓይሊ 112 ወትሃደራት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ኣብ ጅቡቲ ዓስኪሩ [...]
ኢትዮጵያ፣ ኣብ ስደት ዝጸንሑ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ደርግ ብናይ ምሕረት ኣዋጅ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
Radio Erena: 03 July 2018 መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝኣወጆ ናይ ሰላምን ዕርቅን፣ ንእሱራትን ክሱሳትን ብምሕረት ኣብ ዝፈትሓሉ ዘሎ ግዜ፣ ኣብ ስደት ዝጸንሑ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደርግ ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ። በዚ መሰረተ አ [...]
ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተጣሒሱ
Radio Erena: 01 July 2018 ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ሒደት ሰዓታት ድሕሪ ምፍራሙ ተጣሒሱ። እቲ ብረቡዕ 27 ሰነ ብኣላይነት ኣልበሽር ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ብወገን ተቓወምቲ ሓይ [...]
ሶማል፣ ኣመሓዳሪ ደቡብ ሸበሌ ብዝተኻየዶ መጥቃዕቲ ምስ ሰለስተ ርእሱ ቖሲሉ
Radio Erena: 01 July 2018 ኣብ ሶማል፣ ኣመሓዳሪ ደቡብ ሸበሌ ብዝተኻየዶ መጥቃዕቲ ምስ ሰለስተ ርእሱ ከምዝቖሰለ ተገሊጹ። መሓመድ ኢብራሂም ባረ፣ ካብ ሞቓድሾ ናብ ኣፍጎየ ኣብ ዝወስድ መንገዲ እንዳተጓዕዘ እንከሎ፣ ዝተጻወደ [...]
ክልተ ሰበ ስልጣን ክልል ደቡብ ናይ ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም
Radio Erena: 29 June 2018 ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኢህወደግን ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ክልል ደቡብ፣ ሲራጅ ፈጌሳን ሽፈራው ሽጉጤን ካብ ዝነበሮም መዝነታት ተኣልዮም። እቶም ሰበ ስልጣን ብወለንትኦም ስልጣኖም [...]
መቐናቕንቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ነባሪ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ከቲሞም
Radio Erena: 29 June 2018 ኣብ ካርቱም፣ ዘተ ሰላም ከካይዱ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን፣ ነባሪ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ከምዝኸተሙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣል ዲርዲሪ መሓ [...]