ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ቬኔዙዌላ፣ ዜጋታታ ብብዝሒ ናብ ስደት ይውሕዙ

ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ቬኔዙዌላ፣ ዜጋታታ ብብዝሒ ናብ ስደት ይውሕዙ

Radio Erena: 28 August 201

venzuela sidetብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ቬኔዙዌላ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣጋጣሚዋ ብዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ዜጋታታ ብብዝሒ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ኣለዉ።

ብፍላይ ናብ ኮሎምብያ፣ ፔሩን ኤኩዋደርን፣ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ዜኔዙዌላ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶባት እናሰገሩ ዑቕባ ኣብ ምሕታት ይርከቡ።

ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣብ ቬኔዙዌላ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ውዋሕዚ ናብ ስደት፣ ምስ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዝመሳሰል’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ድሕሪ ሞት ፕረዚደንታ ነበር ኡጎ ቻቬዝ፣ ኣብታ ሃገር በብእዋኑ ክርአ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት፣ ንቁጠባ እታ ሃገር ከዳኽሞ ምጽንሑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ካብ 2014 ንደሓር ጥራይ ኣስታት 2 ሚልዮን ዜጋታት ቬኔዙዌላ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣለዉ።

ብደረጃ ዓለም፣ ብሰደድ ነዳዲ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ እትስራዕ ዝነበረት ቬኔዙዌላ፣ ብሰንኪ’ዚ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው፣ ዜጋታታ ኣብ ሕሱም ድኽነት ወዲቖም ከምዘለዉ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

ኣብ 2013 ብሃንደበታዊ ሞት ንዝተፈልየ መራሒኣ ኡጎ ቻቬዝ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማድሮ ዝመርሖ ዴሳውነት ዝኽተል መንግስቲ፣ ነታ ሃገር ካብ ውድቀት ንምድሓና ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጥታት ከተኣታቱ ጻውዒት ይቐርበሉ ኣሎ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0