ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ዝነበረ ዓብዲ መሓመድ ዑመር፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ዝነበረ ዓብዲ መሓመድ ዑመር፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

Radio Erena: 02 September 2018

Abdi Eleኣብ ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ዝነበረ ዓብዲ መሓመድ ዑመር፣ ምስ ካልኦት ሰለስተ ተመሳሳሊ ክስታት ዝነበሮም ሓለፍቲ፣ ብዕለት 29 ነሓሰ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ኣብቲ ዝወዓለ መጋባእያ፣ ነቲ ክልል ተባሂሉ ካብ ዝተሰለዐ ባጀት፣ መንእሰያት ንናዕቢ ኣብ ምውዳብ ተጠቒሙ፣ ንሕብረተሰብ ብሃይማኖትን ብሄርን ኣብ ምፍልላይ ተሳቲፉ፣ ብሰንክኡ ብዝተላዕለ ናዕቢ ከኣ ናይ ሓያሎ ሰባት ህይወት ክሓልፍ እንከሎ ቤተክስትያናት’ውን ከምዝተቓጸለ ዝብል ክስታት ከምዝቐረበሉ ዘ ሪፖርተር ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

 

ምስ ዓብዲ መሓመድ ዑመር ዝቐረቡ ተኸሰስቲ፣ ሓላፊት ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቀንስትዮን ህጻናትን ራሕማ መሓመድ፣ ሓላፊ ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ዲያስፖራ ዓብዱልረዛቕ ኣሚን፣ ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ትሕተ ቅርጺ ሱልጣን መሓመድ እዮም።

እቶም ክሱሳት ብምኽንያት ጥዕናን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘሎ ጉድለት ማእከላት ጥዕናን መግብን፣ ብዋሕስ ክፍትሑ’ኳ እንተሓተቱ፣ ቀሪቡሎም ዘሎ ክሲ ምስ ግብረሽበራ ዝተተሓሓዘ ዓንቀጽ 3 ናይ ኣዋጅ 2009 ብምዃኑ፣ ናይ ዋሕስ መሰል ከምዘይብሎም፣ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኣብቲ ዝወዓለ መጋባእያ፣ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፣ ንዝያዳ መርመራ ተወሳኺ 14 መዓልታት ስለዝሓተተ፣ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ንካልእ መዓልቲ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0