ኬንያ፣ ‘’ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንነፈርቲ ውሕስነት የብሉን’’

ኬንያ፣ ‘’ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንነፈርቲ ውሕስነት የብሉን’’

Radio Erena: 03 September 2018

 air trafic ethioክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንነፈርቲ ውሕስነት የብሉን ተባሂሉ ብሰበስልጣን ኬንያ ዝቐረበ ክሲ፣ በዓል ስልጣን ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ሓቅነት የብሉን ክብል ነጺጉዎ።

ሰበስልጣን ኬንያ ኣብ ዘቕረቡዎ ክሲ፣ ኣብ ምቁጽጻር ነፈርቲ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣብ ዘካዪዱሉ ዘለዉ እዋን፣ እቲ ትካል ጡረተኛታትን ናይ ወጻኢ ክኢልታትን ብምምጻእ ክትክኦም እኳ እንተፈተነ፣ ምልከት ናይቲ ዝጥቀሙሉ ኣቑሑት ስለዘይብሎም፣ ናይ በረራ ምዝንባዓት ኣኸቲሉ እዮም ኢሎም።

 

ከምዝፍለጥ ኣባላት ምቁጽጻር ትራፊክ ኣቭየሽን ኢትዮጵያ፣ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ዝርከቦም ጠለባት ብምቕራብ ካብ ዕለት 27 ነሓሰ ጀሚሮም ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ የካይዱ ኣለዉ። ሰበስልጣን ኣቭየሽን ንጠለባቶም ኣብ ክንዲ ምምላእ፣ ወጻእተኛታት ክቖጽሩ ምፍታኖም ከምዘሕዘኖም ይገልጹ።

በዓል መዚ ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣየር ትራፊክ ኬንያ ‘ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር በረራታት ሓደገኛ’ዩ’ ምባሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ጸገም’ኳ እንተስዓበ፣ ክኢላታት ተኪኦም ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቶም ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዘካዪዱ ዘለዉ ሰራሕተኛታት፣ በዓል መዚ ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ጠለብና ኣብ ክንዲ ምምላእ፣ ብዝያዳ ክፍሊት ወጻእተኛታት ክቖጽር እንከሎ፣ ኣብ ሃገራዊ ጸጥታ’ውን ዘስዕቦ ጠንቂ ኣብ ግምት ኣየእተወን ክብሉ ይኸሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0