ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ተኣሲሩ

ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ተኣሲሩ

Radio Erena: 28 August 201

abdi arrestedፕረዚደንት ክልል ሶማል ዝነበረ ኣቶ ዓብዲ ኣሕመድ ዑመር ተኣሲሩ።

ዝሓለፈ ቅንያት ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ብ”ዓብዲ ዒለ” ዝፍለጥ ፕረዚደንት ክልል ሶማል፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ’ዩ ብ27 ነሓሰ ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዱ።

 ንሱ፣ ኣብ ጂግጂጋን ካልእ ከባቢታትን ክልል ሶማል ብዝተወልዐ ግጭት ተሓታቲ’ዩ ተባሂሉ’ዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ ዘሎ።

እቲ ናይ ምእሳር ዘመተ ናብ ካልኦት ሓለፍቲ ናይቲ ክልል’ውን ክልሕም ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ካብታ ሃገር ይጠቕሱ።

ዓብዲ ዒላ ቅድሚ ምእሳሩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ወከልቲ ህዝቢን ክልል ሶማል ዘተ ከምዘካየደ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ናዕብን ዕግርግርን ብዝተሓሓዝ ኣማኢት ሰባት ኣሲሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0