ቤጂንግ፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን ክካየድ’ዩ

ቤጂንግ፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 23 August 2018

china africa forumዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ቻይናን ካብ 3 ክሳብ 4 መስከረም፣ ኣብ ከተማ ቤጂንግ ክካየድ’ዩ።

ኣብዚ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብመራሕተንን ወከልተንን ክሳተፍኦ ምዃነን ተሓቢሩ ዘሎ ዋዕላ፣ ኣብ ወፍሪን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ’ዩ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ካብ 2019 ክሳብ 2021 ንዝህሉ ናይ ትግባረ ውጥናት ክዳሎ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሓቢሩ።

ኣብዚ ዋዕላ’ዚ መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ምዃኖም ከረጋግጹ እንከለዉ፣ ንኣስታት 3 ዓመታት ካብ ዞባና ወጻኢ ዘይተንቀሳቕሰ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግና ክሳተፍ ምዃኑን ዘይምዅኑ ኣይተፈልጠን።

ቻይና ኣቐድም ኣቢላ ኣብ 2006 ከምኡ ድማ 2015 ተመሳሳሊ ዋዕላታት ከምዝወደበት ኣይርሳዕን።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዕደና፣ ህንጻ፣ ልቃሕ፣ ንግድን ኣገልግሎታት ወደብን ዘተኮረ ግዙፍ ናይ ወፍሪ ንጥፈታት እተካይድ ዘላ ቻይና፣ ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት ንቁጠባ ኣፍሪቃ ክትብሕት ከምእትኽእል ተንተንቲ ቁጠባ ይእምቱ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0