መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ለቒቑ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ለቒቑ

Radio Erena; 18 March 2016

DJ

መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዝጸንሐ ኣርባዕተ ምሩዃት ኩናት ጅቡቲ ሎሚ ዓርቢ 18 መጋቢት ለቒቑ።

እቶም ኣብ 2008 እብ ዝተኻየደ ኵናት ዝተማረኩ ኣርባዕተ ወትሃደራት ጅቡቲ ሎሚ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝተፋነወሉ እዋን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር መሓመድ ቢን ዓብደራሕማን ኣልታኒ ከምዘሰነዮም’ውን ተፈሊጡ።

እቶም ምሩዅት ኵናት ጅቡቲ ዝልቐቑ ዘለዉ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቀጠር ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ብምክያድ ምስ ኣሚር እታ ሃገር ሸሕ ታሚም ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ተዘራሪቡ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምምላሱ’ዩ።

 

ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ኣብ ቀጠር ተመሳሳሊ ዑደት ምክያዱ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ከይሓበረ ምስቲ መንግስቲ ዝኾነ ዝርርብ ከምዘካየድ ፕረዚደንት ጅቡቲ ድሕሪ’ቲ ናይ ኣዶሓ ዑደቱ ምግላጺ’ውን ኣይርሳዕን።

ጅቡቲ ብውሕዱ 14 ወትሃደራት ኣብ ኤርትራ ተማሪኾም ከምዘለዉ’ያ ትገልጽ። ካብ ወገን ኤርትራ’ውን 19 ወትሃደራት ማሪኻ ምህላዋ ትሕብር።

ብዛዕባ ምሩኳት ኵናት ጅቡቲ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኾነ መግለጺ ከይሃበሉ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሎሚ ንኣርባዕተ ካብኣቶም እኳ እንተለቐቐ፣ ብዛዕባ’ቶም ገና ተሪፎም ኣለዉ ዝብሃሉ ምሩዃት ጅቡቲ’ውን መብርሂ ኣይሃበን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0