ሕ.ኤ ንመንግስቲ ኤርትራ 200 ሚልዮን ኤውሮ ዝለገሰሉ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘለዎ ስትራቴጅያዊ ረብሓ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተገሊጹ

ሕ.ኤ ንመንግስቲ ኤርትራ 200 ሚልዮን ኤውሮ ዝለገሰሉ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘለዎ ስትራቴጅያዊ ረብሓ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 21 March 2016

Eu

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክህብ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ እቲ ሕበርት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘለዎ ስትራቴጅያዊ ረብሓ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዶፕሎማሰኛታት ገሊጾም።

ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ፣ ብሓሙስ 9 መጋቢት ኣብ ፈረንሳ ከተማ ስትራስቦርግ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መግለጺ ዝሃበት ሚኒስተር ምክልኻል ሆላንድ’ውን ነዚ ከምዘረጋገጸት ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ እቲ ሕበረት፣ ነቲ “ምልካዊ ስርኣት’ዩ ፣” ዝብሎ መንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካቱ ጽገናዊ ለውጢ ከምጽእ’ዩ ዝብል እምነት ስለዘሕደረ ከምዘይኮነ ኣረዲኣ።

 

መንግስታት ኤውሮጳ፣ ነቲ ብኣባላት ፓርላማ ዝቐረበ ተቓውሞታት ብምጉሳይ፣ ብመንገዲ ኮሚሽን እቲ ሕበረት ነቲ ገንዘብ ክወሃብ ምውሳኖም ከኣ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንረብሓታቶም ዝጸረር ተበግሶ ብዘይምውሳዱ ምዃኑ እቶም ነዚ ሓበሬታ ንሬድዮ ኤረና ዝሃቦ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት የገንዝቡ።

እቲ ስምምዕ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተደናግዩ እኳ እንተነበረ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት የመን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንስትራቴጅያዊ ረብሓታት ሃገራት ኤውሮጳ ዝድግፍ መርገጺ ምሓዙ፣ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ሓገዝ ክወሃቦ ፖለቲካዊ ውሳኔ ምሕላፈን’ውን ይጠቕሱ።

ኣቐዲሙ ብዝቐረበ እማመ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ገንዘብ ቅድሚ ምጽዳቑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ጽገናዊ ለውጢ ከተኣታቱ፣ ብፍላይ እቲ ምስ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተተሓሒዙ ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ምምሕያሽ ክግበረሉ ዝብል ነጥብታት ይርከቦ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብቲ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ገዛእ ዜጋታቶም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንላዕሊ፣ ስትራቴጅያዊ ረብሓታቱ ዘቕድም ምዃኑ እዚ ናይ ኤርትራ ናይ ቀረባ ኣብነት ኮይኑ ይቐርብ ኣሎ።

እቲ ሕብረት፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ 200 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ንመለኽቲ ስርዓታት ዘተባብዕ ከይከውን ሰልፊ ህዝቢ ኤውሮጳ ምትሕስሳቡ ኣይርሳዕን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0