ኣብ ኣስመራ ንዓመታት ዝቐጸለ ዋሕዲ ዝስተ ማይ ፍታሕ ከምዘይረኸበ ነበርቲ የማርሩ

ኣብ ኣስመራ ንዓመታት ዝቐጸለ ዋሕዲ ዝስተ ማይ ፍታሕ ከምዘይረኸበ ነበርቲ የማርሩ

Radio Erena: 17 March 2016

Asmara water problem

ድሩት ምንቅስቓስ ባጤራ ዕዳጋ፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ዋሕዲ ዝስተ ማይ ኣጋጢሙ ምህላዎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ዋሕዲ ዝስተ ማይ ኣብ ኣስመራን ከም ከረን ዝኣመሰላ ካልኦት ከተማታትን ዓመታት ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ነዚ ንምፍታሕ ዝወሰዶ ስጉምታት ስማዊ ምዃኑ’ዮም እቶም ምንጭታት ዝጠቕሱ።

ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ብሻምብቖታት ዝዕደሎ ዝነበረ ኣገልግሎት ማይ ብምቁራጹ፣ ብቦጣት ንምዕዳሉ ዝካየድ ፈተነ’ውን ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይክኣለ የረድኡ።

 

ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ኣስመራ፣ ንሓንቲ ስድራ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ሓንቲ ፊስቶ ማይ ብቦጣት ንምክፍፋሉ’ውን ኣብ ዘይክኣለሉ ደረጃ በጺሑ ምህላዎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝወረደ ዝናብ፣ ትንፋስ ከምዝዘርኣሉ ኣመልኪቶም።

ወነንቲ ቦጣት፣ ነቲ ዘሎ ናይ ማይ ዋሕዲ ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ህዝቢ ንሓንቲ ፊስቶም ማይ ካብ 30 ክሳብ 50 ናቕፋ የኽፍሉ ምህላዎምን ኣብ ገሊኡ ድማ ንህዝቢ ዝተባህለ ማይ ንትካላትን ሃብታማን ኣብ ዒላታቶም (ባስካታት) ኣዕሪቖሞ ይምለሱ ኣለዉ ዝብልን ምዕዝምዛማት ይስማዕ’ዩ።

እንተኾነ ወነንቲ ቦጣት’ውን እናተመላለሱ ከምቲ ዝድሊ ማይ ንህዝቢ ከየከፋፍሉ ናይ ነዳዲ ጸገም ከምዘለዎም’ዮም ዝጣርዑ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0