18 መስከረም ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ንምዝክካር፣ ኣብ ስደት ዝርከባ ሜድያታት ምድላዋት የካይዳ

Radio Erena: Monday, 11 September 2023

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንኣዳለውተንን ጋዜጠኛታትን ከምኡ ድማ ጽገናዊ ለውጢ ንዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ነበር ብኣልማማ ብምቕያድ፣ ሃለዋቶም ዘጥፍኣሉ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ ንመበል 22 ዓመቱ ክዝከር’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ቅድሚ 22 ዓመታት፣ ኣብ 18 መስከረም ብመንገዲ ማዕከን ዜናኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ንግዚኡ ደው ከምዝበላ ብምሕባር፣ ንኣዳላውተንን ጋዜጠኛታትን ከካብ ዝነበርዎ እናሃደነ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ኣይርሳዕን።

ኣደለውቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን፣ ከምኡ ድማ ጽገናን ለውጢን ዝጠለቡ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ነበርን ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝኣተወሉ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001፣ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን፣ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወስደ ስጉምቲ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘይተኸተልን ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ እቲ መንግስቲ፣ ነዞም ዜጋታት፣ ስድራቤታቶም ኣብ ዘይበጽሕዎምን ደሃዮም ኣብ ዘይፍለጥን ቦታ ብምድጓን ን22 ዓመታት ሃለዋቶም ኣጥፊእዎ ኣሎ።

ሓያሎ ካብዞም ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን፣ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ እቲ ስርዓት ህይወቶም ከምዝሓለፈ’ዩ ዝግለጽ።

ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን ን22 ዓመታት ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ዝገበረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፈጸሞን ገና’ውን ዝፍጽሞ ዘሎን ተግባራት፣ ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ ኢትዮጵያ ገዛእቲ ስርዓታት ‘ውን ዘይፈጸምዎ ኣረሜናዊ ምዃኑ’ዩ ዝጥቀስ።

ነዚ ንምትሕስሳብ ድማ፣ 18 መስከረም፣ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ጸሊም ታሪኽ ዝፈጸመላ ዕለት ኮይና ብወለዶታት ክትዝከር ብሓያሎ ወገናት ለበዋታት ይመሓላለፍ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ተስፋ ደሞክራሲ ዘጸልመተን፣ ምግሃስ መሰል ዜጋታት ዘግሃደን ናይ 18 መስከረም፣ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ ዋላ’ውን ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ ግኑን ተርእዮን ምስልን ኮይኑ ይርከብ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት ኣብ ኤርትራ፣ ብጉዳይ ሃይማኖት፣ ስግረ ዶብ፣ ፖለቲካን ካልእን ኣሽሓት ዜጋታት በብእዋኑ ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ።

ነዛ ዕለት ንምዝካር፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ዓመታዊ ዝተፈላለየ መደባት ከምዘካይዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ስደት ዝርከባ ሜድያታት’ውን ሰፊሕ ሸፈነ’የን ዝህበኦ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0