ፖሊስ እስራኤል ኣብ ተልኣቪቭ ዝርከባ 4 ናይ ኤርትራውያን ቤተ ክርስቲያናት ነዚ ቀዳመ ሰንበት ክዕጸዋ ኣዚዙ

Radio Erena: Sunday, 10 September 2023

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ፖሊስ እስራኤል ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከባ ኣርባዕተ ናይ ኤርትራውያን ቤተ ክርስቲያናት ነዚ ቀዳመ ሰንበት ክዕጸዋ ኣዚዙ።

እተን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከባ ቤተ ክርስቲያናት፤ ኣርባዕተ ክኾና እንከለዋ፤ ብምኽኒያት ጸጥታ ምዃኑ ፖሊስ’ታ ከተማ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሳምንቲ ኣብ መንጎ ደለይቲ ለውጥን ደገፍትን ህግደፍ ብዝተኻየደ ግጭት፤ መንግስቲ’ታ ሃገር ንጉዳይ ኤርትራውያን ፍሉይ ኣቓልቦ ክገብረሉ ተገዲዱ እዩ።

ፖሊስ ተልኣቪቭ ብዓርቢ 8 መስከረም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ፤ ናይ ዝሓለፈ ሳምንቲ ተርእዮ ክድገም ከምዝኽእል፣ ግጭት ኤርትራውያን ንምእላይ ከኣ ነቲ ውሳነ ክወስድ ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ።

ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት፤ ምዕጻው ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀዳመ ሰንበት፤ ንመሰረታዊ ሕጊ ምኽባር እምነት’ታ ሃገር ዝጥሕስ ስለዝኾነ፤ ክውሰድ ዘይነበሮ ስጉምቲ’ዩ’ ብምባል ተቓውሞኦም ከምዘስምዑ፤ ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣመልኪቱ።

‘ፖሊስ ከተማ ተልኣቪቭ ግጭት ክለዓል ከምዝኽእል ሓበሬታ በጺሑዎ እንከሎ ኣቐዲሙ ምድላው ብዘይምግባሩ’ዩ’፤ እቲ ፍጻሜ ኣጋጢሙ ዝብሉ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት፤ ብጉድለት ኣሰራርሑኡ እተን ቤተ ክርስቲያናት ግዳያት ክኾና ኣይግባእን ክብሉ ዘይዕጋበቶም ገሊጾም።

ፖሊስ ከተማ ተልኣቪቭ፤ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ግጭት ኤርትራውያን፤ ገና መርመራ የካይደሉ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0