ሩስያ፣ ናብ ኤርትራ 50 ሽሕ ቶን ናይ እኽሊ ረዲኤት ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: Monday, 11 September 2023

ሩስያ፣ ንሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ እኽሊ ሓገዝ ክትገብር ብዝኣተወቶ መብጽዓ፣ ኤርትራ 50 ሽሕ ቶን እኽሊ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ባሕቲ መስከረም፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ እተን ሩስያ ናይ እኽሊ ረዲኤት ክትህበን ዝወሰነት ሽዱሽተ ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ሶማል፣ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኒጀርን ዚምባቤዌ’የን።

ኣናዱሉ፣ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ሚኒስተር ሰርጌ፣ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣቐዲና ዝእተናዮ መብጽዓ ናብ ግብሪ ነሰጋግረሉ እዋን በጺሑ ኣሎ ድሕሪ ምባል፣ ነቲ ናይ እኽሊ ረዲኤት ምልኣኽ ከምዝጀመረ ኣረጋጊጹ።

እቲ ንነፍሲ ወከፈን ተሰሊዑ ዘሎ ናይ 50 ሽሕ ቶን ናይ እኽሊ ረድኤተ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሓት ናብዘን ሃገራት ክበጽሕ ትጽቢት ኣሎ።

ሩስያ፣ ነቲ ናይ እኽሊ ረዲኤት ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ መበጻጽሒኡ ወጻኢታቱ’ውን ባዕላ ክትሽፍኖ ምዃና ተመባጺዓ ኣላ።

እዘን ሩስያ ስርናይ ዝርከቦ ናይ እኽሊ ረዲኤት ክትልእከለን ምዃና ካብ ዝተጠቕሳ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ ሶማል፣ እተን ካልኦት ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ተቓውሞታት ዘስምዓ ዘለዋ’የን።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባን ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራን ማሊ፣ ቡርኪናፎሳን ኒጀርን ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ዝምርሓ ዘለዋ ኮይነን፣ ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክመልሳ ብሃገራት ምዕራብ ኣብ ጸቕጢ ይርከባ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0