ሩዋንዳ፣ ኣብ እዋን ዓሌታዊ ህልቂት፣ ኣብ ዘምሓድሮ ሆቴል ልዕሊ 1200 ሰባት ዘዕቆበ ዜጋ፣ ንፕረዚደንት ካጋመ ብምቅዋሙ፣ ካብ ዱባይ ተጨውዩ ተኣሲሩ

Radio Erena: 03 September 2020

ኣብ ርዋንዳ፣ ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ዓሌታዊ ህልቂት፣ ኣብ ዘመሓድሮ ሆቴል ልዕሊ 1200 ሰባት ብዕቛብ ህይወቶም ዘድሓነ ፖል ሩሰስባጊና፣ ብፕረዚደንት ፓል ካጋመ ንዝምራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ብምቅዋሙ፣ ካብ ዱባይ ተጨዉዩ ከምዝተኣስረ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

እቲ ኣብ እዋን ህልቂት ርዋንዳ ብዘርኣዮ ሰብኣዊ ትብዓት ዝተፈላለየ ናይ ክብሪ ሽልማት ዝረኸበ ርዋንዳዊ፣ ንዝፈጸሞ ታሪኽ እተዘንቱ ሆቴል ርዋንዳ እትብል ህብብቲ ናይ ሆሊዉድ ፊልም ዝተሰርሓሉ’ዩ።

ንሱ፣ ነቲ ብፕረዚደንት ፓል ካጋመ ዝምራሕ መንግስቲ ብትሪ ካብ ዝቓወሙን፣ ንምዕላው ክሳብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክካየድ ካብ ዝድግፉን ናይ ፖለቲከኛ እታ ሃገር’ዩ።

መንግስቲ ርዋንዳ ብወገኑ ብሽበራ ከሲሱ ክሃድኖ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ካብ ዱባይ ተጨውዩ ናብ ኪጋሊ ድሕሪ ምእታው፣ ስድራቤቱ ብመንገዲ ዋትስኣፕ መልእኽቲ ከምዝበጽሖም ዝሓበረት ጓሉ፣ ጉዳዩ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክርአ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ወዲ 66 ዓመት ፓል ሩሰስባጊና፣ ነቲ ንርዋንዳ ን26 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ፓል ካጋመ ብምቅዋም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቤልጁም ብስደት’ዩ ክነብር ጸኒሑ።

ካብ ዱባይ ብኸመይ ተጨውዩ ናብ ርዋንዳ ከምዝተወስደ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተዘይተረኽበ፣ ብምትሕብባር ኣህጉራዊ ናይ ድልያ መስርሕ ክትሓዝ ከምዝኸኣለ መንግስቲ ርዋንዳ ኣፍሊጡ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0