ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ መኸተ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ሃገራት ኢጋድ ዝውዕል ናይ 60 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ኣበርኪቱ

Radio Erena: 02 September 2020

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ መኸተ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ሃገራት ኢጋድ ዝውዕል ናይ 60 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ምምዳቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዮሃን ቦርግስታም፣ ብ31 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ 3.5 ሚልዮን መጨፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክታትን ጓንትን፣ ልዕሊ 100 ሽሕ መዝፈፊን መቀያየርን70 ሽሕ መመርመሪ ኮረና ቫይረስ፣ 8 ተንቀሳቐስቲ ላባራቶሪታትን፣ 24 ኣምቡላንሳትን ዘጠቓለለ’ዩ።

እቲ ሕብረት ኣቐዲሙ’ውን፣ ንተመሳሳሊ መዓላ ዘገልግል፣ ንሃገራት እቲ ዞባ ብተናጸልን ብመንገዲ ኢጋድን ዝተፈላለየ ሓገዝ ከበርክት ጸኒሑ’ዩ።

ኢጋድ፣ ኤርትራ እትርከቦ ሸሞንተ ሃገራት እቲ ዞባ ዝሓቖፈ ዞባዊ ውድብ እኳ እንተኾነ፣ ኤርትራ ንጡፍ ኣባልነት ከምዘይብላ ይፍለጥ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0