ዚምባብዌ፣ ስርዓት ሙጋበ ዝመንጠሎም ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ሕርሻ፣ መሬቶም ክምለሰሎም’ዩ

Radio Erena: 03 September 2020

ኣብ ዚምባብዌ፣ ኣብ እዋን ስርዓት ሙጋበ፣ ናይ ሕርሻ መሬቶም ዝተመንጠሉ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ፣ መሬቶም ክምለሰሎም ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ እቲ መሬት ናይ ምምላስ መስርሕ፣ ነቶም ብኣህጉራዊ ውዕላት ወፍሪ፣ ናብታ ሃገር ኣትዮም ዝነበሩ ሓረስቶት ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ።

ዛጊት ዝተመዝዐ ናይ ሕርሻ መሬቶም ክምለሰሎም ተኽእሎ ዘለዎም ተባሂሎም ቀሪቦም ዘበለዉ 37 ጸዓዱ ወጻእተኛታት ሓረስቶት’ዮም።

እቲ መንግስቲ፣ ስርዓት ሙጋበ፣ ናይ ሕርሻ መሬቶም ንዝመንጠሎም ጸዓዱ ሓረስቶት፣ 3.5 ቢልዮን ዶላር ክኽሕስ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣፍሊጡ’ዩ።።

እቲ ካሕሳ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕርሻ ዝነበሮም ወፍሪ ንዝወረደ ዕንወት ዝኽሕስ ደኣ ‘ምበር ናይ መሬት ካሕሳ ከምዘይኮነ ጠቒሱ’ዩ።

ሮበርት ሙጋበ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ንልዕሊ 4 ሽሕ ጸዓዱ ሓረስቶት፣ ዝነበሮም ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ወፍሪ ብምህጋር ንተጋደልቲ ነበርን ደገፍቱን ከምዝዓደሎም ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ናይ ሕርሻ ወፍሪ፣ ብዘይተጸንዐን መንገዲን ንፖለቲካዊ መኽሰብን ተባሂሉ ካብ ጸዓዱ ሓረስቶት ምስ ተወስደ፣ ይትረፍ ዶ ንሰድድ ንውሽጢ ሃገር ዝኣክል እቶት ክርከቦ ከምዘይክኣለ ክግምገም ጸኒሑ።

ሓደ እዋን፣ መሶብ ኣፍሪቃ እትብሃል ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ድሕሪ ናይ 37 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ሮበርት ሙጋበ፣ ካብ 14 ሚልዮን ብዝሒ ህዝባ፣ እቲ ፍርቂ ውሕስነት መግቢ ዘይብሉ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ኣሎ።

ሓድሽ መንግስቲ፣ ወፍሪ ሕርሻ ንምብርባርን ሓድሽ ናይ ንግድን ወፍሪን ዕድላት ንምፍጣርን፣ ነቶም ናይ ሕርሻ መሬቶም ዝተመንጠሉ ጸዓዱ 3.5 ቢልዮን ዶላር ክኽሕስን ኣውፈርቲ ድማ ናይ ወፍሪ መሬቶም ክምለሰሎምን ወሲኑ ይርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0