ፕረዚደንት ርዋንዳ ፓል ካጋመ፣ ንቦኽሪ ወዱ ዝልዓለ ስልጣን መንግስቲ ሂብዎ

Radio Erena: 28 May 2020

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፣ ኢቫን ካጋመ ንዝተባህለ ቦኽሪ ወዱ፣ ኣባል ቦርድ ልምዓት እታ ሃገር ክኸውን ሸይምዎ።

እቲ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ፣ ናብዚ ሓደ ካብ ወሰንቲ ረቛሒታት ምዕባለ እታ ሃገር ዝኾነ ጽፍሒ ዝተረቁሐ፣ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ብ18 ግንቦት ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ።

ትሽዓተ ኣባላት ዘለዎ፣ ኣብ 2008 ዝቖመ ቦርድ ምዕባለ ርዋንዳ፣ ብኹለን ትካላት መንግስቲ ንዝቐርብ መደባት ዝከታተልን ንወፍርን ልምዓትን ዝምልከት ኣዋጃት ዝሕንጽጽን ዘተግብርን ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ’ዩ።

እዚ ኣብ ወፍሪን ንግዲን ተዋፊሩ ከምዝጸንሐ ዝግለጽ ወዱ ንፕረዚደንት ርዋንዳ፣ ናብዚ ዝልዓለ ጽፍሒ መንግስቲ ምርቁሑ፣ ንመጻኢ ስልጣን ኣቡኡ ንኽርከብ፣ ከም መለማመዲ ባይታ ይጣጠሓሉ ከምዘሎ ሓያሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ይነቕፉ።

ድሕሪ ህልቂት ርዋንዳ፣ ንተቓዋሚ ሰራዊት መሪሑ ኣብ 1994 ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ፓል ካጋመ፣ ነታ ሃገር ናብ ዕርቂን ሰላምን ከምዘሰጋገራ’ዩ ዝንግረሉ።

እንተኾነ፣ ንሱ’ውን ኣብዚ 26 ዓመታት፣ ውሑስን ዴሞክራስያውን ምስግጋር ስልጣን ከተግብር ኣይከኣለን።

ዝተፈላለያ መርበባት ዜና ሩዋንዳ ብወገነን፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ስልጣኖም ናብ ደቆም ንምስግጋር፣ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት እናሃቡ ከምዘለማምድዎም ናይ ጎረቤቶም ኡጋንዳ ከም ኣብነት እናቕረባ፣ ንናይ ፕረዚደንት ካጋመ ውሳኔ ይነቕፋ ኣለዋ።

ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሚሴቬኒ፣ ሙሆዚ ካነሩጉባ ንዝተባህለ ወዲ 46 ዓመት ወዱ፣ ናይ ሌተናንት ጀነራል ማዕረግ ብምሃብ፣ ዝልዓለ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ገይሩ ሸይምዎ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ በዓልቲ ቤቱ ንሙሴቬኒ፣ ጃነት’ውን ሚኒስተር ትምህርቲ ብምዃና፣ ሰለስተ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ዝልዓለ ጽፍሒ መንግስቲ ይርከቡ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንደቆም፣ ናይ ቀረባ ኣዝማዶም፣ ካብኡ ሓሊፍኡ ድማ ንደቂ ቀቢላታቶምን ኣውራጃታቶምን ወሰንቲ ጽፍሕታት መንግስቲ እናሃቡ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ከምዝርኣዩ ሰነዳት የረጋግጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0