የመን፣ ኣብ መንገዲ ብዝተጻወደ ነታጕ ሓላፊ ጸጥታ ምስ ሓሙሽተ ዓጀብቱ ተቐቲሉ

Radio Erena: 28 May 2020

ኣብ ምብራቓዊ የመን ኣብ ዝርከብ ዞባ ሓድራሞት፣ ኣብ መንኪና ብዝተጻወደ ነታጕ፣ ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ሺባም ኮለነል ሳልሕ ዓሊ ጃብር ምስ ሓሙሽተ ዓጀብቱ ከምዝተቐትለ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ብ26 ግንቦት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ሽበራውያን ሚሊሻታት፣ ነቲ ኮለነል ዘሰነየ ቃፍላይ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ መንገዲ ነታጕ ብምትካል ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ክኸውን ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን መንግስቲ ግምታቶም ይህቡ።

ኮለነል ሳልሕ፣ ኣብቲ ዞባ ንዝንቀሳቐሱ ሽበራውያን ጉጅለታት ኣብ ምህዳን ብዝልዓለ ካብ ዝተዋፈሩ ኣዘዝቲ ጸጥታ ሓደ’ዩ ኔሩ።

ሓድራሞት፣ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዝግለጹ፣ ሽበራውያን ጉጅለታት ብብዝሒ ዝንቀስቐስሉ ዞባዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0