ን13 ዓመታት ኣብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክወጽእ’ዩ

Radio Erena: 28 May 2020

ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት’ዚ ዕማሙ ከብቅዕ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሱዳንን ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ ምዃኑ መግለጺ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዶናልድ ቡዝን ምስ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ድሕሪ ዝገበርዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ዕማም እቲ ዓቃብ ሰላም ከብቅዕን ዳግማይ ከይሕደስን ከምዝተሰማምዑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ራኢ ሱዳን ዝመጣጠን ዝተፈልየ ተልእኾታት ሒዙ ክዋፈር ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዘለዎ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ክዋፈር መደብ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ሓቢሩ’ዩ።

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ኣብ ካብ 2003 ኣትሒዙ ድሕሪ ዝተጎሃሃረ ግጭታት፣ ብጸቕጢ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን፣ ናብቲ ዞባ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክዋፈር ስርዓት ኣል በሺር ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ሰነዳት ይሕብሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0