ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ግጭት ኣትዩ

Radio Erena: Sunday, 10 September 2023

ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ፈጣን ሓይልታት ምልሻ ዘተ ምክያዱ፤ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘለዎ ንዕቀት እዩ ኣርእዩ፤ ክብል ወተሃደራዊ መንግስቲ’ታ ሃገር ከሲሱ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፤ ጉዳይ ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ብዘተ ንምፍታሕ፤ እማመታት ከቕርብን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከካይድን ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ከም መቐጸልታኡ ብዕለት 3 መስከረም ምስ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ፈጣን ሓይልታት ምልሻ ዩሰፍ ዒዛት ምርኻቡ ዝዝከር’ዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሙሳ ፋኪ ተወኪሉ ምስ ሓለፍቲ ፈጣን ሓይልታት ምርኻቡ፤ ብቃልዕ ነቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዘለዎ ደገፍ ዘርእይ እዩ፤ ክብል ከሲሱ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፤ እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝቐረበ ክሲ፤ ‘ዘይሓላፍነታዊን፤ ንጻዕርታት’ቲ ሕብረት ዘቆናጽብን’ ክብል ገሊጹዎ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ብዕልዋ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ዝሓርፈፈ ዝምድናኡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ኢድ ብዘይምእታዉ፤ ንሚዛናውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ እዩ፤ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብተወሳኺ ይኸስስ።

ብካልእ ወገን ፈጣን ሓይልታት ምልሻ፤ ወግዓዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምዃን ደው ኣቢሉ፤ ምሉእ ብምሉእ ክብተን ኣለዎ ክብል ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን መግለጺ ሂቡ።

መግለጺ ኣልቡርሃን ብፓርላማ’ታ ሃገር ጸዲቑ እኳ እንተኾነ፤ ንልዕሊ 5 ኣዋርሕ ኣብ ጽዑቕ ኲናት ንዝርከብ ወተሃደራዊ ሓይሊ፤ በየናይ መንገዲ ዕጥቁ ከውርድ ከምዘገድዶ ኣይጠቐሰን።

ኩነታት ሱዳን ኣብ ኲናት ብዝስዕር ሓይሊ ዝውሰን ደኣምበር፤ ኣልቡርሃን ስለዝበሎ ጥራይ ዝትግበር ኣይኮነን፤ ክብሉ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ንመደረ ኣልቡርሃን ዋጋ ከምዘይህብዎ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0