ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርሉ ከባቢታት ከተማ ካምፓላ 25 ሰባት ኣሲሮም

Radio Erena: Tuesday 06 , Feburary 2024

ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢታት ከተማ ካምፓላ ኣብ ዘካየድዎ ተፍትሽ፣ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ብውሕዱ 25 ሰባት ከምዝኣሰሩ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ፣ ብ03 ለካቲት፣ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ሓይልታት ጸጥታ ብቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን ብዝተዋህቦም መምርሒ መሰረት፣ ኣብ ካሳንጋ ኣብ ዘካየድዎ ተፍትሽዮም ነቶም ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ክንቀሳቐሱ ዝጸንሕዎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ቀይዲ የእትዎሞም።

እቶም ዜግነቶም ብጽኑር ዘይተጠቕሰ ወጻእተኛታት፣ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም፣ ጉዳዮም ይጻረ ከምዘሎ ክፍሊ ኢምግሬሽን ሓቢሩ።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ዝነብሩ ወጻእተኛታት፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከምዘለዎም ከረጋግጹውን እቲ ክፍሊ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋን ማአሰርትን ምክያዱን፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታትን ተደማሚሩ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ብመንገዲ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ናብ ኡጋንዳ ይሰግሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0