ከተማታት ሑቲ-የመን ተደብዲበን

Radio Erena: Monday, 05 February 2024

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝቆጻጸርዎ ቦታ 36 ዒላማታት ብናይ ነፈርትን ሚሳይል መጥቃዕትን ከምዝተሃርመ ተገሊጽ::

እቲ ደብዳብ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሑደይዳን ከተማ ሳዓዳን’ውን ከምዝተኻየደን ናብ ሎሚ 5 ጥቅምቲ ዘውግሕ ለይቲ’ውን ካልእ መጥቃዕትታት ተጌሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ::

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ፍልስጤም ደው ክንብል ኢና ብምባል ብቀይሕ ባሕሪ ‘ባብ ኤል መንደብ’ ዝሓልፋ ናይ እስራኤል እየን ዝበልዉን መራኽብ ክቅርስኑን ከጥቅዑን ጸኒሖም::

ኣብ ልዕል’ዚ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቃት ኣብ ዶብ ሶርያን ጆርዳንን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣመሪካ መጥቃዕቲ ድሮን ብምክያድ ሰለስተ ኣመሪካውያን ክቐትሉ እንከለዉ 40 ድማ ኣቑሲሎም::

ግብረመልሲ ናይዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ይሕገዙ እዮም ዝበሉቶም ኣብ ዒራቕን ሶርያን 85 ዒላማታት ክትሃርም እንከላ ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ’ውን ብኢራን ስለዝድገፉ ለኪማ ደብዲባቶም ትርከብ::

እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲን ካልኦትን መጀመርታ እንበር ናይ መወዳእታ ከምዘይ ኮነ ዝገለጸ ጸሓፊ ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊሎይድ ኣውስቲን ከቢድ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ክቅጽል ምኳኑ ሓቢሩ::

እንተኾነ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተገብረ መጥቃዕቲ ከምዘይደሃሉ ሕጂ’ውን መራኽብ እስራኤል ክጨውዩ ምኳኖም ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኩናት ኣዊጆም ኣለዉ::

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0