ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: Tuesday 06 , February 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ገሊጸን።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ጎጃም፣ ማራዊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፣ ብውሕዱ 50 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብ ከባቢ ጎንደር ውን ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ኣምሓራ ጽዕጹቕ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ ይቕጽል ምህላዉ ተሓቢሩ።

ማራዊ፣ ካብ ከተማ ባህርዳር ኣስታት 35 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ሓውሲ ከተማያ።

ግዳያት እታ ሓውሲ ከተማ ዝኾኑ 10ታት ሰለማውያን ሰባት፣ መብዛሕቶም ብሰራዊት መንግስቲ ከምዝተቐትሉዮም ዕጡቓት ፋኖ ዝወቕሱ።

ሰራዊት መንግስቲ ብኣንጻሩ፣ እቲ ግጭት ምክያዱ ብምርግጋጽ፣ እቶም ዝተቐትሉ ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖ ምዃኖም ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ኣምሓራ ፋኖን ዝተወልዐ ግጭት፣ ብፍላይ ን11 ዞባታት ክልል ኣምሓራ ጸልዩ ከምዘሎ ይሕብር።

ኣብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ሰፊሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፣ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪሲቲን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ይርከብ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0