ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝተዋፈሩ ንምህዳን ምስ ኢንተርፖል ብሓባር ይሰርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ

Radio Erena: Wednesday, 30 August 2023

ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዋፊሮም ንዘለው ሰባት ንምህዳን ምስ ኣህጉራዊ ፖሊስ ወይ ኢንተርፖል ብሓባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መርበብ ራድዮ ኡጋንዳ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምጽራይ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ይዋስኡ ምህላዎም ኣስሚራትሉ።

መብዛሕቶም ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብመንገዲ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ኬንያን፣ ሃገራት እናቖራረጹ ዝኣተዉ’ዮም።

ዶባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ እናሰገርካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ስደት፣ ንደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን ካብ ኣማኢት ክሳብ ኣሽሓት ዶላራት ‘ዩ ዝኽፈል።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ንዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ ኡጋንዳ ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዝኣትዉ ብዙሓት ኤርትራውያን’ውን ናብ ሃገሮም ኣይምለሱን’ዮም።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ 2022 ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ትሕቲ ትካሉ ዝተመዝገቡ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ኣለዉ።

ብዝተፈላለየ ናይ ወጻኢ ሃገራት ፓስፖርት ዝነብሩን ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዘይተመዝገቡን ኣሽሓት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ‘ውን ይፍለጥ።

መብዛሕቶም እቶም ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካናዳን ንምስግጋር መስርሕ ዝጽበዩ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ንግዲን ወፍሪን ዝነጥፉ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0