ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓይሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዳግም ግጭት ተጎሃሂሩ

Radio Erena: Wednesday, 30 August 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖን ዳግም ግጭት ከምዝተጎሃሃረ ተሓቢሩ።

መርበባት ዜና እታ ሃገር ብዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻብ፣ እቲ ግጭታት፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም፣ ከባቢ ከተማ ደብረ ማርቖስ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም፣ ከባቢ ከተማ ፍኖተ ሰላም፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ድማ ኣብ ከባቢ ከተማ ደብረታቦር’ዩ ተኻይዱ።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ደብረታቦር፣ ዕጡቓት ኣምሓራ፣ ብ26 ነሓሰ ናብታ ከተማ ድሕሪ ምእታዎም፣ ግጭት ይቕጽል ምህላዉ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብቲ ግጭት ዳግም ተጎሃሂርሉ ዘሎ ከባቢታት፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣትን ዕንወትን ከምዝበጽሐ ይሕበር እኳ እንተሎ፣ ብዝርዝር ኣይተጠቐስን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ናይቲ ክልል ተፈጢሩ ዝነበረ ምፍራስ ጸጥታ ከምዘረጋገአ ክገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ዳግም ግጭት ከምዝተጎሃሃረ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሚሊሻታትን ዕጡቓት ፋኖን ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ይርከብ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብቲ ክልል ሕግን ስርዓትን ናይ ምኽባር ወፍሪ ብዝልዓለ ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ዕጥቖም ከውርዱ ዝተነግሮም ፋኖን ሚሊሻታት ኣምሓራን፣ ምስቲ ክድግፍዎ ዝጸንሑ መንግስቲ ናብ ረጽሚ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ምስ ጸጥታን ምርግጋእን ተተሓሒዙ፣ ሽዱሽተ መራሕቲ ናይቲ ክልል ተቐያይሮም ኣለዉ።

ስእሊ፤- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0