ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኤርትራ ኣብ ጄኔቫ- ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣቶ ኣደም ዑስማን ተሰዊሩ

Radio Erena: Tuesday, 29 August 2023

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኤርትራ ኣብ ጄኔቫ – ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣቶ ኣደም ዑስማን ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሑ።

እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበረ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ስርዓት ከምዝራሕረሐ ዝግለጽ ዘሎ ናብ ኣስመራ ጠቕሊሉ ክምለስ ድሕሪ ዝቐረበሉ ጻውዒት’ዩ።

ኣብ መንጎ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ድሕሪ ዘጋጠመ ምስሕሓብ፣ መብዛሕቶም እቶም ካብ ኤርትራ ዝተመደቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣቐዲሞም ናብ ኤርትራ ተጸዊዖም፣ ገሊኦም ግዚያዊ ማእሰርቲ ገሊኦም ድማ ምድስካል ከምዘጋጠሞም ‘ውን ነዚ ሓበሬታ ናብ ራድዮ ኤረና ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጄኔቫ – ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣቶ ኣደም ዑስማን፣ ዝነበሮ ስራሕ ኣጻፊፉ ጠቕሊሉ ናብ ኣስመራ ክምለስ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ናብ ስዊዘርላንድ ምስ ኣተወዩ’ዩ ነቲ መንግስቲ ክርሕርሕ ወሲኑ ወሲኑ።

ኣቶ ኣደም ዑስማን፣ ንመግስቲ ኤርትራ ከምዝራሕረሐ ምስ ተጠርጠረ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሂብዎ ንዝነበረ ናይ ዲፕሎማቲክ ፓስፖርት ከምዝሰረዘ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ተመዲቡ ዝነበረን፣ ሓደ ካብ መንእሰያት ዲፕሎማሰኛታት ዝኾነን፣ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ፣ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኤርትራ ኣብ ጄኔቫ፣ ሕቡራት ሃገራትን ኮይኑ፣ ብግዝያውነት ተመዚዙ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ኣደም ዑስማን፣ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጋባእ ዋዕላታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ንዝቐረብ ክስታት ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ክቓወሙን ሓሶት’ዩ ክብሉ ካብ ዝጸንሑ ናይ ወጻኢ ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ምንባሩ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0