ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት 10,000 መልእኽቲ ቴሌፎን ኣመሓላሊፋ

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ከም መቐጸልታ ናይቲ ካብ ለካቲት 2012 ኣትሒዙ ዘካይዶ ዘሎ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዝጠመተ ናይ ተለፎን ጎስጎስ፣ ዝሓለፈ ዓርቢ እውን ብምትሕብባር “ፈሪ ዳዊት ኤሳቕ” ዝተባህለ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ንሰብኣዊ መሰላት ዝቃለስ ማሕበር ን10,000 ተቀማጦ ኣስመራን ከባቢኣን ናይ ቴለፎን መልእኽትታት ኣመሓላሊፋ። እዚ ትማሊ ዓርቢ ዝተገብረ ናይ ቴሎፎን መልእኽቲ ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቲ መልእኽቲ ብ ኣቶ ኤሰያስ ኢሳቕ ሓው ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዘጤኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝተነበ መልእኽቲ ምኻኑ ኣካየድቲ’ቲ ፕሮጀክት ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም። ኣቶ ኢሳያስ ኢሳቕ ኣብ መልእኽቱ ዳዊት ሓዉ ዝርከቦም 11 ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ቕድሚ 11 ዓመት ብኣባላት ጸጥታ ከም እተወስዱ፡ እንተኾነ ግን ኣበይ ከምዝኣተዉን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ከምዘለዉን ዝፈልጥ ኣባል ስድራቤት ኮነ ቤተሰብ ከምዘየሎ እዩ፡፡ ስለዚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ እኹል ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ ብቴሌፎን ኮነ ብኻልእ ኣገባብ ሓበሬታ ክልግሰሉ ቁጽሪ ተለፎኑ ብምሃብ ተማሕጺኑ። ኣብ መደምደምታ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ንኹሎም’ቶ ምዕዋት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ኩሉ ሞራላውን ገንዘባውን ደግፍን ወፈያን ንዝገብሩ ግዱሰት ኤርትራውያን ብልቢ ድሕሪ ምምስጋን: ክሳብ ሕጂ ኣስታት 43,500 ቴሌፎናት ተደዊሉ ከምዘሎን: ደገፍ ኩሉ ግዱስ ከይፍለዮምን ደጊሞም ኣዘኻኺሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0