ኣብ ኬንያ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ተኻዪዱ

ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ ሓደ ፖሊስ ክመውት እንከሎ ትሽዓተ ካልኦት ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ። እቲ ኣብ ዞባታት መስሕብ ቱሪዝም ምዃኑ ዝተነግረሉ ከባቢታት ዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ምስ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝደናገጹ ኬንያውያን ዝፈጸምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ኣመሓደርቲ’ቲ ዞባ ይገልጹ። ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ውልቀሰባት ብኡ ንብኡ ክመውት እንከሎ፣ እቲ ካልኣዩ ከኣ ክሃድም እንከሎ ፖሊስ ብዝተኮሱሉ ጠያይት ከምዝተቐትለ ተፈሊጡ። ኬንያ ካብ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝመጻ መጥቃዕታት ንምግታእ፣ ኣብ ሶማልያ ኣትያ ምስቲ ጉጅለ ኣብ ኲናት ከም እትርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣልሸባብ ብወገኑ፣ ሰራዊት ኬንያ ካብ ሶማልያ እንተዘይወጺኦም፣ ኣብ ከተማታት’ታ ሃገር መጥቃዕቲ ቦምባ ከካይድ ከምዝኾነ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ። ሰበስልጣን ፖሊስ ኬንያ ነቲ ኣብ ከባቢ ሞምባሳ ዝርከብ ዞባ ካብ ዕጡቓት ጉጅለታት ናጻ ንምግባር ዘካይድዎ ዘለዉ ዘመተ ክቕጽልዎ ምዃኖም ሓቢሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0