መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ ፍራንክፈት በረራኡ ኣቋሪጹ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ ፍራንክፈት በረራኡ ኣቋሪጹ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ጀርመን ፍራንክፈት ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቛረጸ ኤሮ ቴሌግራፍ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጀርመን ኣረጋጊጹ። እቲ መንገዲ ኣየር ንዓመታት ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2012 ዳግም ናብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈትር ናይ መጓዓዝያ በረራታት ምጅማሩ ጽዑቕ ምውዕዋዕ እኳ እንተካየደ፣ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ እንደገና ኣቛሪጹ ኣሎ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ነቲ ካብን ናብን ኣስመራን ፍራንክፈርትን ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዘቋረጸሉ ምኽንያት ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበን። መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሰንኪ ድኹም ምሕደራ፣ ሰልከየከይ እናበለ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ሕጂ ድማ ነቲ ዘለዎ ናይ ምሕደራ ድኻም ዝያዳ ዘግሃደን ከቢድ ክሳራ ዘስዓበን ምቑራጽ በረራታት ኣኸቲሉ ይርከብ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሰለስተ ግዜ ኣብ ሰሙን ካብን ናብን ኣስመራ ፍራንክፈር ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከካይድ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ብዙሕ ምስንኻላት ክፈጥር ምጽንሑ’ውን ተፈሊጡ። ብመሰረት ጸብጻብ ኤሮ ቴሌግራፍ፣ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ቡልጋርያ ብኽራይ ብዘምጽኣ ኤርባስ ኤ319 ዝዓይነታ ዓባይ ነፋሪት’ዩ ነቲ ናይ ኣስመራ ፍራንክፈር በረራታት ከካይዶ ጸኒሑ። ምስ ዕብየት እታ ነፋሪት ድማ፣ ኣብ ውሱን ግዝያት እንተዘይኮይኑ ዋሕዲ ተጓዓዝቲ ከጋጥሞ ስለዝጸንሐ፣ እታ ነፋሪት ምስ ኣብረርታን ሰራሕተኛታታ ኣብ እተካይዶ ነፍሲ ወከፍ ምንቕስቓስ ከቢድ ወጻኢታት ስለእትሓትት፣ ካብ መኽሰባ ክሳራታታ’ዩ ክበዝሕ ጸኒሑ። ብፓኪስታናዊ ወኪል ጉዕዞ ዝመሓደር ዘሎ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ መደባቱ ብምስፋሕ ተወሰኽቲ ነፈርቲ ንምትእትታውን ናይ ካብን ናብን ኣስመራን ካልእ ክፋል ዓለም ንዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከስፍሖ ምዃኑ ይገልጽ እኳ እንተነበረ፣ እታ እንኮ ናብ ኤውሮጳ እትበርር ዝነበረ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኤርትራ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ ጠቕሊላ ደው ኢላ ምህላዋ ኤሮ ቴሌግራፍ ብተወሳኺ የመልክት። ጠንቒ ናይዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ውድቀት መንገዲ ኣየርን ብሰንኩ ዝስዕብ ዘሎ ናይ ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ክሳራ፣ ዘይብቑዕ ምሕደራን ናይቲ መንግስትን ውልቃዊ ምትእትታው ፕረዚደንትን ምዃኑ ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ነበረ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ኣቶ ክብሮም ኣብቲ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየደኦ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፣ ምሕደራ እቲ መንግስቲ ከይተዓረየ፣ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክትንስእ ከምዘይክእል’ውን ኣተንቢሁ ኔሩ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0