ፕረዚደንት  ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 01 June 2018

kiir and Dr Aby

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ማዕከናት ዜና ካብ ጁባ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ብ30 ግንቦት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምርኻብ ብዛዕባ ምዕባለታት መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ብሰፊሕ ተመያይጡ።

መስርሕ ሰላም ንኸይዕወት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዓንቀጽቲ ኮይኑ ምህላዉ ዝግለጽ ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምራሕ ብዛዕባ’ቲ ተሰናኺሉ ዘሎ መስርሕ መብርሂ ክህብ ዝደለየሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቦ መንበር ናይቲ መስርሕ ሰላም ዝከታተል ዘሎ ዞባዊ ማሕበር ኢጋድ’ውን ስለዝኾነ’ዩ።

ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣቦ መንበር ኢጋድን ዝነበረ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንኽዕወት ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብወለንትኡ ካብ ስልጣን ክእለ ከምዝሓተቶ ምግላጹ ይዝከር።

ኣመሪካን ካልኦት ኣውሓስቲ ናይቲ በብእዋኑ ዝኽተም ስምምዓት ሰላም ደቡብ ሱዳን ዝኾና ሃገራትን፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስትን መራሕቲ ተቓወምትን ናይ መገሻን ካልእ እገዳታትን ከተግብራ ምዃነን’የን ዘጠንቅቓ።

ኣብ ስደት ዝርከብ መራሒ ተቓወምቲ ሬክ ማሻር’ውን ማዕረ ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንኸይዕወት ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ኢጋድ ዝወቅስ።

ኤርትራ ኣባል እዚ ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቖፈ ዞባዊ ማሕበር እኳ እንተኾነት፣ ኣብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ይኹን ካልእ ጉዳያት ንጡፍ ኣበርክቶ የብላን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0