ዘይምልከተን ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ካብ ምእታው ክቑጠባ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዑ

ዘይምልከተን ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ካብ ምእታው ክቑጠባ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዑ

Radio Erena: 01 June 2018

AU

ዘይምልከተን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ይኣትዋ ምህላወን ንሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘተሓሳሰቦ ኮሚሽነር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሓመድ ገሊጹ።

ንሱ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ዓሊ ኻይረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ዝኣትዋ ዘለዋ ዘይምልከተን ሃገራት እናበዝሓ ከምዝመጻ ብምጥቃስ፣ ክቑጠባ ጸዊዑ።

ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እተን ኣብ ዘይምልከተን ጉዳይ ሶማል ይኣትዋ ኣለዋ ዝበለን ሃገራት ኣየነጸረን።

ይኹን’ምበር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብተን ቀዳሞት በዚ ክሲ እዚ እትውቀስ ሃገር ምዃና ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ይትንትኑ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ብምርድዳእ ንወደብ በርበራ ንምምሕዳሩ ውዕል ምኽታማ፣ ንጥምረትን ሉኣላውነትን ሶማል ትግህስ ኣላ ክብል ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ምቕራቡ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ጉዳይ ሶማል ብምትእትታው ኣሉታዊ ሳዕቤን የኸትል ኣሎ ክብል ንመንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ከምዘቕረበሉ ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ባይቶ ነዚ በቲ ሕብረት ዝቐረበ ክሲ ተቐቢሉ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ እቲ መንግስቲ እገዳ ከምዘሕለፈ ኣይርሳዕን።

ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ኢድ ከምዘይብሉ ንምርግጋጽ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ባይቶ ጸጥታን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከካይድ እኳ እንተጸንሐ እቲ እገዳ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክልዓል ኣይከኣለን።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ሶማላውያን ዕጡቓት ይተሓባበር ከምዘሎ ዘረጋገጽ መርትዖ ከምዘይረኸበ’ዩ ዘመልክት።

እንተኾነ ኮሚተ እገዳ ሶማልን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ብጉዳይ ሶማል ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ኣይተራእየን ብምባል ይወቅስ።

ኣቦ መንበር እታ ኮሚተ ኡዝበኪስታናዊ ካይራት ኡማሮቭ ዝመርሖ ጉጅለ ናብ ሶማል ናብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ ክፍቀደሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ከምዝኸልከሎ ይግለጽ።

እቲ መንግስቲ ንተቖጻጻሪት ጉጅለ ይኹን መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝኣመሰላ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዛ ኣካላት ናብ ኤርትራ ከይኣትዋ ምኽልካሉ’ውን ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0