የመንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይደን

የመንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: 01 June 2018

yemen and UAE

ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት የመንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዱ ኣገልግሎት ዜና ሳባ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ሰይፍ ቢን ዛይድ ንየመናዊ መዘንኡ ኣሕመድ ኣል ማይሳሪ፣ ብ30 ግንቦት፣ ኣብ ኣቡዳቢ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ እዋን፣ ኣብ ጸጥታ ናይቲ ካብ ሑቲ ሓራ ዝወጸ ከተማታት የመን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ እቲ ማዕከን ዜና ይገልጽ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ናብ ሕቡራት ኢማራት ብምምራሕ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ብምትኳር ዝዘራረብ ዘሎ፣ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ የመን ወራር’ያ እትፍጽም ዘላ ክብል ክወቅስ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ።

ንሱ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነታ ካብ ሑቲ ሓራ ዝወጸት ወደባት ከተማ ዓደን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ’ያ ኣእትያታ ዘላ ክብል’ዩ ወቒሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንሰራዊት መንግስቲ ኣብ ክልተ ብምግማዕ፣ ንዝበዝሐ ትካላት እቲ ናይቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ ንሳ ብእትምውሎም ፍሉያት ሓይልታት ተመሓድሮ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክትውቀስ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጅሆ ተታሒዙ ከምዘሎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት የመን ዓብደሮቦ መንሱር ሓዲ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ መንግስቲ የመን ዕልዋ ከምዝፈጸምት’ዩ ዝኸስስ።

ብዘይካ’ዚ ኢማራት፣ ንቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዘተኣሳስር ክሊ ማይ እትርከብ ደሴት ሶኮትራ ሰራዊታ ምውፋራ፣ ንየመን ናይ ምቁጽጻር ድሌት ከምዘለዋ’ያ ክትውቀስ ጸኒሓ።

ብኣመንቲ ሽዓ ዝምርሑ ዕጡቓት ሑቲ ንምጽራግ ብዝብል ጉልባብ ናብ የመን ኣትያ እትርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ እታ ሃገር ተቓውሞ ይገጥማ ከምዘሎ ይግለጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0