ፕረዚደንት ደሴታት ኮሞሮስ፣ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣቦ ወንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክርከብ እዩ

Radio Erena: 26 December 2022

ፕረዚደንት ደሴታት ኮሞሮስ፣ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣቦ ወንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክርከብ እዩ።

ነቲ ናይ ኣቦ ወንበርነት ስልጣን ንምውድዳር ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም ዝነበሩ መራሕቲ ኮሞሮስን ኬንያን እዮም ኔሮም።

እንተኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ ብገዛእ ፍቓዱ ካብቲ ውድድር ብምእላዩ፣ ፕረዚደንት ኣዛሊ ኣሱማኒ (Azali Assoumani) ብዘይ ተኸራኻሪ ነቲ ስልጣን ክርከቦ ምዃኑ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክልቲኦም ሕጹያት ተወዳደርቲ፣ ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ድምጺ ንምርካብ ምስ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ብምርኻብ ጎስጓስ ኣካዪዶም እዮም። እንተኾነ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ንምንታይ ካብቲ ውድድር ከምዝሰሓበ ብወግዒ ኣይተገልጸን።

‘ፕረዚደንት ሩቶ፣ ውድድር ምቁራጹ ዓቢ መራሒ ምዃኑን ንሰላም ኩሉ ግዜ ዝሰርሕ ምዃኑን እዩ ኣርእዩ’ ክብል ፕረዚደንት ኣዛሊ ድሕሪ ምግላጽ፣ ‘ስልጣን ኣቦ ወንበርነት ብሓጎስ ይቕበሎን ክሰርሓሉን እየ’ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣዛሊ ኣብ 1999 እዩ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን መጺኡ። ኣብ 2018 ዓመተ ምህረት ከኣ ንቅዋም’ታ ሃገር ብምቕያር፣ ክሳብ 2029 ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ሕጋጋት ኣተኣታትዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0