ኣብ ዞባ ዳርፉር ናይ ሱዳን ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብዝተወለዐ ግጭት፣ 11 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 26 December 2022

ኣብ ዞባ ዳርፉር ናይ ሱዳን ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብዝተወለዐ ግጭት፣ ብዉሑዱ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ወግዓዊ ማዕከን ዜና መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ዜና ሱና፣ ነቲ ብረቡዕ 21 ዝጀመረ ግጭት ብዝምልከት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ካልኦት 20 ሰባት እውን ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

መንቀሊ እቲ ግጭት ብወግዒ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም ነበርቲ’ቲ ከባቢ፣ ምስ ካልኦት ቀቢላታት ተደጋጋሚ ደማዊ ግጭት ከካዪዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቲ ግጭት ብዕለት 21 ድሕሪ ምጅማሩ፣ ስርቂን ዝምታ ንብረትን ኣስፋሕፊሑ፣ ኣባይቲ እውን ክቃጸሉ ከምዝቐነዩ ተሓቢሩ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ብወገኖም፣ ነቲ ግጭት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው፣ ሓይልታት ጸጥታ ተዋፊሮም ምህላዎም፣ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰባት ከኣ ካብዚ ዘለዎ ብዝተዓጻጸፈ ክውስኽ ከምዝኽእልን ገሊጾም።

ብሰንኪ ናይ መጋሃጫ ጥሪትን፣ ‘ብጽሒተይ’ዩ’ ዘንቀሎ ምስሕሓብን ብዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 900 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ 300 ሽሕ ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉ፣ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ንቀረብ ማይ፣ መጋሃጫ መሬት፣ ዜግነት፣ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ቀቢላታት ብዝምልከቱ ጉዳያት፣ ዝግባእ ኣቓልቦ ብዘይምሃቡ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር፣ ብሉ ናይልን፣ ደቡብ ኮርዶፋንን ተኸታታሊ ግጭታት ክለዓሉን፣ ህዝቢ ክመውት፣ ንብረቱ ክራሰይን ክመዛበልን ጸኒሑ፣ ክብሉ ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታት ነቐፌታኦም የቕርቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0