ኣብ ኤርትራ 5.5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ፣ ጀርመናዊ ትካል ምርምር ጀኦሳይንስ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 27 December 2022

ኣብ ኤርትራ 5.5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ፣ ጀርመናዊ ትካል ምርምር ጀኦሳይንስ ኣፍሊጡ።

እቲ ብዕለት 26 ታሕሳብ ኣብ ከባቢ ሰዓታት 3 ድሕሪ ቀትሪ ከምዘጋጠመ ዝግለጽ ዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬት፣ ካብ ከተማ ኣስመራ 150 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ከምዝነበረ እቲ ትካል ገሊጹ።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት 10 ኪሎሜተር ዕምቆት ዘለዎ ብምዃኑ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ከምዘይከኣለ ይግለጽ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ንዝወረደ ዕንወት ብዝምልከት ወግዓዊ ሓበሬታ ስለዘውጸአ፣ ክብደቱ ንምግማት ኣጸጋሚ ምዃኑ ትካል ምርምር ጀኦሳይንስ ኣፍሊጡ።

ዩሮፐያን-መዲተራኒያን ሰይስሞሎጂካል ሰንተር (EMSC) ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት 5.3 ሓይሊ ከምዝነበሮ ኣፍሊጡ።

ተመሳሳሊ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት፣ ኣብ ከባቢታት መቐለን ዓዲ ግራትን ከምዘጋጠመ፣ ሰብ ሞያ’ቲ ዓውዲ ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት ኣመልኪቶም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0