ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ናይ ቴሌፎን ርክብ ኣካዪዶም

Radio Erena: Sunday, 23 July 2023

ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ናይ ፈለማ ርክብ ናይ ቴሌፎን ኣካዪዶም።

ርክብ ናይ’ዞም ክልተ መራሕቲ ሃገራት ዝግበር ዘሎ፤ ሩስያ ብክሊ ማያት ዩክረይን ንዝሓልፍ እኽሊ ውሕስነት ክትህብ ንዝኣተወቶ መብጽዓ ኣብ ዝሰረዘትሉ ሒደት መዓልታት ድሒሩ’ዩ።

ኣብቲ ናይ ቴሌፎን ርክብ፤ ዘለንስኪ ንኢትዮጵያዊ መዘንኡ፤ ናብ ሩስያ ክበጽሕ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሉ፤ ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ኬቭ ሓቢረን።
ዩክረይን፤300 ሽሕ ቶን እኽሊ ናብ ኢትዮጵያ ክትልእኽ እንከላ፤ ተወሳኺ 90 ሽሕ ቶን ከኣ ንሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝለኣኸት ይፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2022 ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንምኹናን ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፤ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምንባራ ይዝከር።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፤ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደገፍ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምርካብ ጎስጓስ ምጅማሩ ይፍለጥ።

 

 

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0