ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ኣብ ዳርፉር ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ብውሑዱ 20 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Sunday, 23 July 2023

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ወተሃደራውያን ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰፊሑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፤ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከባቢ 20 ሰባት ከምዝሞቱ፤ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ከባቢ ዳርፉር ዝተኻየደ ደብዳብ ከቢድ ብረት፤ ምልሻታት ሓምዳን ዳግሎ ዝወንጨፍዎ ክብሉ ምንጭታት ዜና ይገልጹ።

ኣብቲ ብቀዳም 22 ሓምለ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፤ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ነበርቲ ዳርፉር ዝዓለመ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ’ውን ምንባሩ፤ ማሕበር ጠበቓታት ሱዳን ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ኣብ ደቡብ ዳርፉር እትርከብ ከተማ ንያላ፤ ስድራቤት ምሉእ ዝጸነቱሉ ፍጻሜ ከምዝነበረ እቲ ማሕበር ጠቒሱ።

ኣብ ዳርፉር ካብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምልጡ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ሱዳናውያን ቁጽሪ መዓልታዊ ብኣሽሓት ይውስኽ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ ሰባት ዝህብዎ ዘለዉ ናይ ዓይኒ ምስክርነት፤ ምልሻታት ፈጣን ሓይልታት፤ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባት ዓሌት ዝሰረቱ መጥቃዕቲ ይገብሩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ካርቱም ጀሚሩ፤ ኣብ ውሽጢ ሳምንታት ናብ ከባቢታት ዳርፉር ዝለሓመ ኲናት ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፤ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ወሲዱ ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝቐረበ እማመ ሰላም ንክዛተዩ ወከልቶም ኣብ ከተማ ጀዳ እዮም ዝርከቡ። እንተኾነ፤ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ናይ ዕርቂ ምልክት ከምዘየለን፤ እቲ ዘተ ስማዊ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፍረ ኣይርከቦን እዩ ክብሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0