ኣመሪካ ንሰራዊት ሶማል ንምድጋፍ፣ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

Radio Erena: Sunday, 23 July 2023
ኣመሪካ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ንምሕጋዝ ናይ ነፈርቲ ኲናት መጥቃዕቲ ከምዘካየደት፣ ማእከላይ እዚ ኣፍሪቃ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ካብ ከተማታት ርሒቑ ዝርከብ ከባቢታት ጋልካድ ዝተኻየደ ውግእ፣ ሰራዊት ሶማል ምስ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ኲናት ተጸሚዱሉ ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ ካብ ኣመሪካ ናይ ነፈርቲ ደገፍ ተገይሩሉ።

ማእከላይ እዚ ኣፍሪቃ ኣፍሪኮም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሶማል ብዝሓተቶ ናይ ደገፍ መጥቃዕቲ፣ ሰራዊት ኣመሪካ ቅጽበታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ሓቢሩ። በቲ ዘካየዶ ደብዳብ ሓሙሽተ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ’ውን ኣፍሊጡ።
ምትእትታው ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሶማል፣ ስልጠናታት ኣብ ምሃብ፣ ስለያዊ ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥ፣ ዕጥቅን ስንቅን ኣብ ምልጋስ ዝተሓጽረ እዩ ተባሂሉ ዝጥቀስ እኳ እንተኾነ፣ ምስ ሰራዊት ሶማል ብምጽምባር ሓያሎ ናይ ነፈርቲ ደብዳባት ከምዘካይድ ይፍለጥ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0