ፕረዚደንት የመን፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየድ መስርሕ ሰላም እታ ሃገር ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት የመን፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየድ መስርሕ ሰላም እታ ሃገር ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 14 September 2015

hadi

ኣብ ስደት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ርያድ ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተወደበ መስርሕ ሰላም ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ተቓወምቲ ሑቲ ካብቲ ዝሓዝዎ ከባቢታት እንተዘይስሒቦምን ዕጥቖም ድማ እንተዘየውሪዶምን ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝውደብ ዝኾነ መስርሕ ሰላም ከምዘይሳተፍ ኣረጋጊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ክልቲኦም ወገናት የመን ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት መስርሕ ሰላም ንምጅማር ቅርቡነቶም ከርእዩ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ኣሎ።

 

ብስዑዲ ዓረብ ዝምርሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ኣዋርሕ ደብዳብ፣ ኣጋር ሰራዊት ናብ የመን ኣብ ዘዋፍረሉ ዘሎ እዋን’ዩ መስርሕ ሰላም ክጅመር ምሕጽንታ ዝቐርብ ዘሎ።

ግጭት የመን ኣብ ጣይዝን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ብዝልዓለ ናህሩ ይቕጽል ምህላዉ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይሕብራ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0