“ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደመ ኣቦ መንበር ደምህት፣ ሰላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ ኔሩ” ጎስጓስ መንግስቲ ኤርትራ

“ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደመ ኣቦ መንበር ደምህት፣ ሰላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ ኔሩ” ጎስጓስ መንግስቲ ኤርትራ

Radio Erena: 14 September 2015

TPDM

ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደመ ኣቦ መንበር ደምህት ኣቶ ሞላ ኣስገዶም፣ “ሰላይ ወያነ’ዩ” ኔሩ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ።

ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ስሙር ግንባር ዝፈጸመ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ- ደምህት ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ብዓርቢ 11 መስከረም ካብ ኤርትራ ብመንገዲ ሱዳን ድሕሪ ምህዳሙ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ተሓቢሩ።

ኣቶ ሞላ ኣስገዶም፣ ኣማኢት ኣባላት ሰራዊት ደምህት ጠርኒፉ ብመንገዲ’ቲ ንኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ከባቢ ሓምዳይት ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታው’ዩ፣ ምስ ሰበ ስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብዝተገብረ ምርድዳእ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገረ’ዩ ዝግለጸ ዘሎ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ክፍሊ ስለያ እታ ሃገር ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ቀጥታዊ ርክብ ከምዝጸንሖ ኣፍሊጡ።

ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ 2001 ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን፣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኢዱ ዝሃበ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ስለያ ህወሓት ነበረ ኣቶ ፍስሃ ሃይለማርያም ብደረጃ ሓላፍነት ይመርሖ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣቶ ፍስሃ ሃይለማርያም፣ ኣብ ጥሪ 2008 ኣማውትኡ ንጹር ብዘይኮነ ምኽንያት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ድሕሪ ምቕታሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግንቦት 2008 ንኣቶ ሞላ ኣስገዶም ኣቦ መንበር ደምህት ክኸውን ከምዝመዘዞ ኣይርሳዕን።

ድምጻዊ ነበረ መድሚዳይ ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ህወሓት ነበረ ናብ ኤርትራ ኢዶም ሂቦም ድሕሪ ምእታዎም፣ ብስለያ ተጠርጢሮም ድሕሪ ምቕያዶም ሃለዋቶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ንደምህት ሸሞንተ ዓመታት ብደረጃ ኣቦ መንበርነት ዝመርሐ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ግንቦት ሸውዓተን ሓርበኛታት ግንባር ህዝቢ ኢትዮጵያን ካልኦት ሓይልታት ስሙር ግንባር ከምዝፈጠሩ ዝተነግረሉ ዕለት፣ ኣማኢት ኣባላት ሰራዊት ሒዙ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምህዳሙ፣ “ብምስጢር ኣብ ስለያ ተዋፊሩ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ” ዝገልጽ ክስታት ካብ ወገን ኤርትራ ይስማዕ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ስሙር ግንባር ድሕሪ ምፍጣሮም፣ ኣቦ መንበር ናይቲ ግንባር ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ኮይኑ ክምዘዝ እንከሎ፣ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ድማ ከም ምክትል’ዩ ተመዚዙ ኔሩ።

ኣቶ ሞላ ካብ ኤርትራ ዝሃደመሉ ምኽንያት ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃበ፣ መህደሚኡ ምኽንያት ናይ ስልጣን ቁርቁስ’ዩ እናተባህለ ብወገን ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ይግለጽ’ዩ።

ብወገን ኤርትራ ግና፣ እቲ መራሒ ደምህት ዝሃደመሉ ምኽንያት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ርክብ ብምፍጣር ኣብ ስለያዊ ተልእኾ ተዋፊሩ ምጽንሑ ዝከሽሕ ሓበሬታ ስለዝተረኽበ’ዩ ዝብል ወረ ይጋዋሕ ኣሎ።

ሱዳን ትሪቡን ንስለያዊ ምንጭታት ሱዳን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ድማ፣ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ዝመርሖም 683 ተቓወምቲ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ብረቶም ከምዘረከቡ ብምርግጋጽ፣ ሰራዊት ኤርትራ ነቶም ዝሃደሙ ኣባላት ደምህት ንምህዳን ኣብ ዝኸፈቶ ቶዅሲ ሸውዓተ ካብቶም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉ ጠቒሱ።

ሱዳን ነቶም ዕጥቖም ዘረከቡ 683 ኣባላት ደምህት ናብ ወደልሒሉ ከምዘሰጋገሮምን ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ከኣ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወስደን እቲ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዘቕረበቶ ሓበሬታ ድማ፣ ሞላ ኣስገዶም ምስ ኣባላቱን ምሉእ ኦጥቖምን ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ኣረጋጊጻ።

ኣብ ኤርትራ ተሪፉ ናይ ዘሎ ኣካል ደምህት ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ድማ፣ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ደኣ’ምበር ናይ ውልቀሰባት ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፣ ህድማ ውልቀሰባት ነቲ ዝጀመርዎ ናይ 14 ዓመታት ቃልሲ ከምዘየዳኽም ጠቒሱ።

ብዘይካ’ዚ ናይ ደምህት፣ ኣቐዲሙ’ውን ግንባር ሓርበኛታት ኢትዮጵያ- ኣርበኞች ግንባርን ግንባር ሓርነት ኦርሞ- ኦነግን’ውን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ እዋን ዘይምቅዳ ስለዘጋጠሞም፣ መሪሕነት ናይ ክልቲኡ ሓይልታት ከምዝተገማምዐን፣ ሓያሎ ካብ ኣባላት ናይተን ሓይልታት’ውን ኣብ ኤርትራ ከምዝተቐየዱን ገሊኦም ድማ ካብ ኤርትራ ከምዝሃደሙን ኣይርሳዕን።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ሓድሕደን ኣብ ምስልጣንን ምዕጣቕን ተጸሚደን ከምዝርከባ ይፍለጥ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0