UPDATED: ብሰንኪ ብሽክለታ ትማሊ ኣብ ኦል ኣፍሪካን ጌይምስ ዘይተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ሎሚ ኣንጸባራቒ ዓወት ተጓናጺፋ

UPDATED: ብሰንኪ ብሽክለታ ትማሊ ኣብ ኦል ኣፍሪካን ጌይምስ ዘይተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ሎሚ ኣንጸባራቒ ዓወት ተጓናጺፋ

Radio Erena : 11 September 2015

All games

ኣብ መበል 11 ውድድር መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ (All African Games) ንምክፋል ናብ ከተማ ብራዛቪል ኮንጎ ዘቕነዐት፡ ደቒ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈት፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ መወዳደሪ ብሽክለታታት ሒዛ ብዘይ ምጋሻ፡ ትማሊ ሓሙስ 10 መስከረም ብሃገር ደረጃ ካብ ዝተኻየደ ውድድር ግዜ ቦኺራ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከም’ዚ ዓይነት ሽግር ከጋጥማ እዚ ንመጀመርያ እዋን ከም ዘይኮነን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት እዚ’ውን ኣብ ዙር ሞሮኮ ኣብ ዝተሳተፈትሉ፡ ብተመሳሳሊ ንቅድድም ትጥቐመለን ብሽክለታታት ኣብ ዱባይ ብምትራፈን፡ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ብሽክለታታት ለሚና ንኽትወዳደር ተገዲዳ እያ።

 

ገራውያን ጋንታታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣልጀርያን ሩዋንዳን ካብ ደቂ ተባዕትዮ፡ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ድማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ’ቲ እታ ክትዕወት ብዙሕ ትጽቢት ተጌሩላ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘይነበረቶ፡ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምውጻእ፡ ተሸለምቲ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስ መዳልያታት ኮይነን።

 ሎሚ ዓርቢ 11 መስከረም፡ ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ኣብ ዝተኻየደ፡ 12.5 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ፡ ናይ ውልቒ ውድድር ግዜ (ክሮኖ-ሜትር)፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ሞሳና ደበሳይን ወሓዚት ኪዳነን፡ ቀዳመይንትን ካልአይትን ብምውጻእ ተሸለምቲ ወርቒን ብሩርን መዳልያታት ኮይነን። ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሊሰ ኦሊቨር ድማ፡ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዛ ነሓስ መዳልያ ኣንጠልጢላ። እዚ ሞሳናን ወሓዚትን ዝጨበጥኦ መዳልያታት፡ ኣብ ታሪኽ ውድድር ኦል ኣፍሪካን ገይምስ ንኤርትራ ናይ ፈለማ እዩ።

ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ድማ ሜሮን ተሾመ ወርቂ ማዳልያ ዓቲሩ።

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተቐዳዳማይ ሜሮን ተሾመ፡ ሎሚ ዓርቢ 11 መስከረም ኣብ ከተማ ብራዛቪል ኮንጎ ኣብ ዝተሰላሰለ፡ 12.5 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነበሮ፡ ናይ ውልቒ ውድድር ግዜ (ክሮኖ-ሜትር)፡ ኣብ ሰዓት 49.234 ኪሎ ሜትር እናተወንጨፈ፡ ንቅድድሙ ብ18 ደቓይቕን 1 ካልኢትን ሸፊኑ፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ወርቒ መዳልያ ኮይኑ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጉስታቭ ባሶንን፡ ዓድል ባርባሪን ድማ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም።

ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ውድድር ኦል ኣፍሪካን ገይምስ፡ ኣብ ኣብ 2007 ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ግዜ፡ ካብ ዓበይቲ ብመንገዲ ንደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳሪል ኢምፐይ ስዒቡን ንኬንያዊ (ሕጂ እንግሊዛዊ) ክሪስ ፍሩም ኣኸቲሉን ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ብሩር መዳልያ ዝተሸለመ ፍረቃልሲ ደበሳይን ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ድማ፡ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘ መርሃዊ ገብርሂወትን ኣቢላ ክልተ መዳልያታት ዝረኸበት ክትከውን ከላ፡ ብውልቒ ወርቂ መዳልያ ክትረክብ ግን፡ ሕጂ ንፈለማ እዋን እዩ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0