ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቓ ደብዳቤ ልኢኹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቓ ደብዳቤ ልኢኹ

Radio Erena: 12 June 2016

Abde

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣቶ መሓመድ ዑመር ማሕመድ፣ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብደልዓዚ ቡተፍሊቓ ኣብጺሑ።

እቲ ኣምባሳደር ብ11 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ነቲ ደብዳቤ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ከምዘረከበ ዝሓበሩ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ትዝሕቶ’ቲ ደብዳቤ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጸጸኒሑ ዝርአ ዘሎ ግጭታት ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሶም።

ኣምባሳደር ማሓመድ ዑመር ማሕሙድ፣ ከም ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ቡተፍልቓ ንምብጻሕ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ‘ዩ ተቐቢልዎ።

 

ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቓ፣ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኸብቅዕ፣ ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ታሕሳስ 2000 ኣብ ኣልጀርስ ስምምዕ ሰላም ዘኸተመ’ዩ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ 2000 ከምኡ ድማ ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2002፣ ብሰንኪ ናይ ስለያ ስልኳታትን ምድግጋፍ ተቓወምትን ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ጸጸኒሑ ንኣሽቱ ግጭታት ከምዝካየድ ይፍለጥ።

ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝሃቦ ብይን፣ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተወሰነ ባድመ ዝርከቦ ከባቢታት ሰራዊታ ክትሕብ ፍቓደኛ ብዘይምዃና ክልትኤን ሃገራት ነዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ኣብ ምፍኽኻር’የን ኣሕሊፈንኦ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0