ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ተኻይዱ

ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ተኻይዱ

Radio Erena: 12 June 2016

BAd

ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደቡባዊ ጸሮና ውግእ ኣካይዶም።

እቲ ናብ ሎሚ ሰንበት 12 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተኻየደ ግጭት፣ ካብ ከባቢታት ኣኽራን ጀሚሩ ናብ ሓያሎ ካልእ ከባቢታት ልሒሙ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

በቲ ንሓያሎ ሰዓታት ዝተኻየደን ጸጸኒሑ’ውን ዝቕጽል ዘሎን ወትሃደራዊ ረጽምታት፣ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝወረደ ዕንወት ዛጊት ኣይተሓበረን።

መበገሲ’ቲ ከቢድ ብረት ዝተሓወሶ ግጭት’ውን ኣይተነጸረን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ እቲ ኣብ ጸሮና ዝተወልዐ ግጭት ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበሉን።

ይኹን’ምበር ክልትኤን ሃገራት ኣብ ዶባተን ናይ ሰራዊትን ኣጽዋርን ምድልዳል የካይዳ ምህላወን ይሕበር።

 እዚ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ከባቢ ጸሮና ከምዝተወልዐ ዝግለጽ ዘሎ ግጭት ናብ ምሉእ ኵናት እዘን ጎረባብቲ ሃገራት ከይዓርግ ስግኣት ኣሎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0