መናድቕ ኣስመራ ብመርድእ ግዳያት ባሕሪ ሊብያ ኣዕለቕሊቑ

መናድቕ ኣስመራ ብመርድእ ግዳያት ባሕሪ ሊብያ ኣዕለቕሊቑ

Radio Erena: 13 June 2016

Merde Libya

ስድራቤታት ናይቶም ኣብ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ይርድኡ ኣለዉ።

እዚ ኣብ ኣስመራን ካልእ ከተማታትን ኣብ ፈቐዶ መናድቕ ተጠቒቑ ዘሎ ናይ መልቀስን መርድእን ወረቓቕቲ ንህዝቢ ከቢድ ቁጠዐ ፈጢርሉ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣኽርያ፣ ማይተመናይን ካልእ ከባቢታትን ዳሳት ሓዘን ግዳያት ሓደጋ ባሕሪ ሊብያ ብብዝሒ ተተኺሉ ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት በሳእል ኣሰንዮም ኣብ ዝሰደድዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

 

ኣብ ካልኦት ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራው’ውን ብተመሳሳሊ ብብዝሒ መርድእ ግዳያት ባሕሪ ሊብያ ይስማዕ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ብሳዕስዒትን፣ ጓይላን ሆይሆይታን ክጽንበለሉ ኣብ ዝቐንየ እዋናት፣ ህጻውንቲ ዝሓቖፋ ኣዴታት ዝርከብኦም ኣሻሓት ኤርትራውያን፣ ካብ ሊብያን ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ኣብ ጀላቡ ተጨቓጪቖም ኣብ ዝውሕዝሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብውሕዱ ሰለስተ ካብተን ጀላቡ ብምጥሓለን’ዩ ህይወት ልዕሊ 800 ሰባት ጠፊኡ።

ካብ ገማግማ ባሕሪ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ቅድሚ ምእታዎም ካብ ዝጠሓሉ ኣስታት 800 ሰባት እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝፍለጥ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ሰሃራን ካልእን ከባቢታን ጉዕዞ ስደተ ኣብ ጸጽባሕ እናሃለቐ፣ መንግስቲ ነዞም ግዳያት ስደት ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ብመዓልቲ ሓዘን ኣብ ክንዲ ዝዝከሮም፣ ንመበል 25 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተጠቒሙ ብሳዕስዒት፣ ጓይላን ሆይሆይታን ከሕልፋ’ዩ ተርእዩ።

እንተኾነ ረስኒ ሳዕስዒትን ጓይላን ፕሮፖጋንዳ ናይቲ መንግስቲ ሰሙን ከይመልአ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓዘን ተሸሚሙ ይርከብ።

Merdee Libya 2

ኣማኢት ዜጋታቱ ንዝሃልቕሉ ዘለዉ ዘሕዝን ሓደጋታት ባሕሪ መዓልቲ ሓዘን ዘይኣወጀ መንግስቲ ኤርትራ፣ ቅድሚ 217 ዓመታት ዝተወልደ ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን፣ መበቖሉ ኤርትራ’ዩ ብምባል፣ ምስ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኤርትራ ብምትሕብባር ዕለተ ልደቱ ኣብ ኣስመራ ጸንቢሉ።

ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ መንግስቲ ብዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ባርነት ዝጽብጸብ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ምዃኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ 8 ሰነ ደጊሙ ምርግጋጹ ይፍለጥ።

Photos: Radio Erena Sources from Asmara

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0