ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ንወዱ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ማዕረግ ይህብ

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ንወዱ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ማዕረግ ይህብ

Radio Erena: 27 February 2019

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ንወዱ ኪያነሩግባ ሙሆዚ ዝሎኣለ ወትሃደራዊ ማዕረግ ከምዝሃቦ መርበት ሓበሬታ እታ ሃገር ገሊጸን።

ወዲ 44 ዓመት ሙሆዚ ፣ ኣቐዲሙ ኣዛዚ ናይቲ ብፍሉ ሓይሊ ዝፍለጥ፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንትን ቀጽሪ ቤተ መንግስትን’ዩ ኔሩ።

በዚ ሕጂ ተዋሂብዎ ዘሎ ናይ ሌተናን ጀነራል ማዕረግ ድማ፣ ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ንምዃን በቂዑ ኣሎ።

ን33 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ብሕማም ይኹን ካልእ፣ ምምራሕ ኣብ ዘይክእለሉ፣ ስልጣኑ ንወዱ ብምርካብ ክእለ ካብ ዝብል መደብ፣ ንወዱ ናብ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ማዕረግ ከምዘሕኮሩ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ንወዱ ናብዚ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ስልጣን ዘሕኮሮ፣ ንቕዋም እታ ሃገር ክሳብ ብህይወት ዘሎ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘኽእሎ ጌሩ ድሕሪ ምቕያሩ’ዩ።

ወዲ 74 ዓመት ዘሎ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ቅዋም እታ ሃገር፣ ዕድሚኡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር ክሳተፍ ኣይፈቕደሉን’ዩ።

ይኹን’ምበር እቲ ፕረዚንት ነቲ ቅዋም ብምቕያር፣ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ወጢኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ስልጣን ብዝጸንሕዎ ብዝሒ ዓመታት ምስ ቀዳሞት 10 ዝስራዕ መራሒ’ዩ።

ሰለስተ ካብቶም ሽዱሽተ ቀዳሞት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኮይኖም፣ ንሳቶም ድማ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ብ33 ዓመታት ቀዳማይ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብ30 ዓመታት ካልኣይ ክኾኑ እንከለዉ፣ ሳልሳይ ድማ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ28 ዓመታት ይስዕቦም ኣሎ።

=========================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0