መደበራት ፖሊስ ኤርትራ፣ ስእነት ቀለብ እሱራት የሻቕለን ከምዘሎ ተሓቢሩ

መደበራት ፖሊስ ኤርትራ፣ ስእነት ቀለብ እሱራት የሻቕለን ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 February 2019

ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ባጀት 2019፣ ንመካየዲ ስራሕ ትካላት መንግስቲ ብዘይምስልዑ፣ መደበራት ፖሊስ ኤርትራ፣ ቀለብ እሱራት ብምስኣነን ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዘለዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም

እዚ ንሓያሎ ትካላት መንግስቲ’ውን ከየተረፈ፣ ዋሕዲ መሳርሒታት ናይ ቤት ጽሕፈት ኣኸቲሉ ዘሎ ጉዳይ፣ ብዝያዳ ኣብተን ብፖሊስ ኤርትራ ዝመሓደራ ኣብያተ ማኣሰርቲ ገኒኑ ይርአ።

ብዘይካተን ኣብ ትሕቲ ኮሚሽን ፖሊስ ኤርትራ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ብቤጽ ጽሕፈት ፕረዚደንት፣ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብኣውርኡ ድማ ብክፍላተ ሰራዊትን በራጊድን ዝመሓደራ ልዕሊ 300 ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዋ።

እዘን ብፖሊስ ኤርትራ ዝመሓደራ፣ ብሲቪላዊ ገበናት ዝተኸሰሱ እሱራት ዝሓዛ ኣብያተ ማእሰርቲ ድማ’የን፣ ቀለብ እሱራት ከምዝሰኣና ዝገልጽ ዘሎ።

ብሕጋዊ መንገዲ ካብ ግብርን ካልእ ኣታዊታትን ዝተኣከበ ገንዘብ፣ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ብስም “ዓመታዊ ሃገራዊ ባጀት” ክስላዕ ዝነበሮ እኳ እንተኾነ፣ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ብዝጎደሎ ኣገባብ’ዩ ዝካየድ።

ብሰንኩ ድማ፣ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ፣ በብዝጥዕመን፣ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ክእክባ ይርኣያ’የን።

ከም ኣብነት ናይዚ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ዝተፈላለየ ምኽንያት እናፈጠረ፣ ዓመታዊ ከብ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ኣማኢት ገንዘብ ከምዝእክብ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0