ሶማል፣ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ኣመሪካ ብዘካየድኦ ደብዳብ 35 ሰባት ተቐቲሎም

ሶማል፣ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ኣመሪካ ብዘካየድኦ ደብዳብ 35 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 27 February 2019

ሰብ ኣልቦ በረርቲ ወይ ድሮን ኣብ ሶማል ብዘካየድኦ ደብዳብ ብውሕዲ 35 ሰባት ተቐቲሎም።

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ፣ ፔንታጎን ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ እቶም ብ24 ለካቲት ብዝተኻየደ ደብዳብ ዝተቐትሉ 35 ሰባት ብምሉኦም ኣባላት እቲ ናይ ሽበራ ጉጅለ ኣልሸባብ’ዮም።

እንተኾነ በቲ ኣብ ማእከላይ ሶማ፣ ዞባ ሂራን ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ሰለማውያን ሰባት’ውን ግዳያት ኮይኖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ኣመሪካ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ሶማል ተደጋጋሚ ደብዳብ ብምክያድ፣ መብዛሕቶም ኣባላት ኣል ሸባብ ምዃኖም ዝገለጸቶም ብውሕዱ 185 ሰባት ቀቲላ ኣላ።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሶማልን ኣመሪካን፣ ብዘይድዎ ዘለዉ ስርሒታት፣ ኣልሸባብ ከምዝተዳኸመ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ምስ ምስሓብ እቲ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ 2020፣ ብዝሓየለ ክበራበር ከምዝኽእል ተንተንቲ የጠንቕቑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0