ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፤ ሰራዊቱ ከቢድ ክሳራ ከምዘጋጠሞ፤ ንመጀመሪያ ግዚኡ ተኣሚኑ

Radio Erena: Sunday, 03 September 2023


ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፤ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፤ ሰራዊቱ ከቢድ ክሳራ ከምዘጋጠሞ፤ ንመጀመሪያ ግዚኡ ተኣሚኑ።
እቲ ፕረዚደንት ብዓርቢ ሓደ መስከረም ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ‘ከምዚ ዓይነት ክሳራ ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን’ ድሕሪ ምባሉ፤ ናይ ሰብን ተቖጻጺርናዮ ዝነበርና ቦታን ክሳራ ጥራይ ዘይኮነ፤ ገዲፍናዮ ዘዝለቕና ኣጽዋር እውን ኣብ ኢድ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣትዩ እዩ፤ ኢሉ።
ንሱ ብተወሳኺ፤ ‘ነቲ ዘጋጠመ ክሳራ መርመራ ተገይሩሉ፤ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ወተሃደራውያን መራሕቲ፤ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ግቡእ ፍርዶም ክወሃቡ ምዃኖም ቃል እኣቱ’ እውን ኢሉ።
ብካልእ ወገን ካብ ቁጽጽር ኣልሸባብ ሓራ ኣብ ዝኾና ከተማታት፤ ስሩዕ ትምህርቲ ይጅምር ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣልሸባብ ተቖጻጺሩዎ ኣብ ዝነበረ ከተማታት፤ ንስርዓተ ትምህርቲ’ታ ሃገር ብምቕያሩ፤ ተመሃሮ ግቡእ ትምህርቶም ክከታተሉ ከምዘይከኣሉ እዩ ዝሕበር።
መንግስቲ ሶማል፤ 3 ሽሕ ሓደስቲ መማህራን ብምቑጻር፤ ንስርዓተ ትምህርቲ’ታ ሃገር ናብ ንቡር ክመልሶ ይጽዕር ምህላዉ ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0