ሱዳን፡ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝወደባ ደቂ ኣንስትዮ ይኣስር

Radio Erena: Sunday, 03 September 2023

ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፤ ኣንጻር’ቲ ኲናት፣ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘካየዱ ሰባት፤ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትዉ ከምዘለዉ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
ኣብ ግዝኣት ብሉ ናይል ኣብ እትርከብ ከተማ ዳማዚን፤ ብተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ብሓይልታት ጸጥታ ክቑጸይ እንከሎ፤ ነቲ ሰልፊ ዝወደባ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወስዳ ተሓቢሩ።
ነዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ወተሃደራውያን ሓይልታት ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፍታት፤ በብእዋኑ ብደቂ ኣንስትዮ’ታ ሃገር ክውደብ እኳ እንተጸነሐ፤ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፤ ዘይሕጋዊ’ዩ ብምባል ክገትኦ ጸኒሑ’ዩ።
ስርዓት ኣልበሽር ምስ ተዓልወ ተበታቲኑ ዝነበረ ናይ ጸጥታ ትካልን ሰራሕተኛታቱን፤ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበረሎም ጻውዒት፤ ዳግማይ ናብ ስራሕ ተዋፊሮም ኣለዉ። ነዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሰላማዊ ሰልፊ ዝቖጽዩዎ ዘለዉ፤ እዞም ኣብ ትሕቲ ኣልበሽር እንከለዉ ግፍዕታት ዝፈጸሙ ብምዃኖም፤ ሻቕሎት ዝፈጥር’ዩ፤ ክብሉ ተጣበቕቲ መሰላት’ታ ሃገር ይገልጹ።
ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ኣልዒለናኦ ዘለዋ ጭሮሖ፤ ‘ጸገማትኩም ብዘይ ብረት ክንፈትሓልኩም ንኽእል ኢና’ ዝብል እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0