ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል፤ ናይ ዝቖሰሉ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 150 በጺሑ፤ ናታንያሁ ክጥረዙ ጸዊዑ

Radio Erena: Sunday, 03 September 2023

ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ብዝተላዕለ ግጭት፤ ብውሑዱ 150 ሰባት ከምዝቖሰሉ፤ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
ኣብቲ ብቀዳም 2 መስከረም ዝተኻየደ ግጭት፤ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ ክኸውን እንከሎ፤ ደገፍቲ መንግስን ደለይቲ ለውጥን በብወገኖም ፍቓድ ኣውጺኦም ምንባሮም ተሓቢሩ።
ፖሊስ ተልኣቪቭ ነቲ ብእስራኤላውያን ንቅዋምን ሕግታትን ብዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ዝዓበየ ኣቓልቦ ሂቡሉ ብምጽንሑ፤ ኣብዚ ናይ ኤርትራውያን ግጭት ብብዝሒ ኣይተዋፈረን ነይሩ።
እንተኾነ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ናብ ግጭት ድሕሪ ምዕራጉ፤ ሓይልታት ጸጥታ ብብዝሒ መጺኦም፤ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኤርትራውያን ዘንብዕ ጋዝን ናይ ሓቂ ጠያይትን ክትኩሱ ጀሚሮም።
ካብ’ቶም ኣብቲ ግጭት ዝቖሰሉ 150 ሰባት፤ 30 ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ ምዃኖም፤ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ተልኣቪቭ ሓቢሩ።
ካብ’ቶም ኣባትር፤ ኣእማን፤ ካራን ዝኣመሰሉን ሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን፤ 39 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ሓያሎ ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝተወስዱ ኤርትራውያን ሕክምናዊ ረዲኤት ተገይሩሎም ክፋነዉ እንከለዉ፤ ብውሑዱ 11 ብጥይት ዝቖሰሉ ከኣ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ረዲኤት ይርከቡ። ፖሊስ ተልኣቪቭ፤ ንሰለስተ ጥራይ ብጥይት ወጊኡ ከምዘቑሰለ ይገልጽ።
ዝበዝሑ ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን እዮም።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቀዳም ኣማስያኡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝጥረዙሉ መንገዲ እተጽንዕ፤ ብደረጃ ሚኒስተር ኮሚቴ ክትቀውም ጸዊዑ ኣሎ።
ኣብቲ ንሰዓታት ዝቐጸለ ሕንፍሽፍሽ፤ ናይ ዝቖሰሉ ሰባትን፤ ዝወረደ ዕንወትን ገና ምሉእ ጸብጻብ ስለ ዘይተገብረሉ፤ ዝሞቱ እውን ክህልዉ ከምዝኽእሉ፤ ግምታት ይወሃቦ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0